ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ንስምምዕ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቱርክን ብትሪ ይነቅፍ


Doctors without Borders
Doctors without Borders

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተብሃለ ሰብኣዊ ትካል ካብ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባል ሃገራትን ሓገዝ ገንዘብ ኣይቅበልን እየ ክብል ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ነዚ ዘፍለጠ: ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ኣውሮፓ ብዛዕባ ዝኣትው ቁፅሪ ስደተኛታት ብትሪ ዝድርት ስምምዕ ምስ ቱርኪ ምስምምዑ ብምቅዋም እዩ።

ሕብረት ኣውሮፓን ቱርክን ትርጉም ዕቑባን ሓለዋን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስራሕ ይሰርሑ ኣለው ይብሉ ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ጀሮሜ ኦበረቲ።

መንግስታት ሕብረት ኣውሮፓ ንዝቕበሉዎም ከይኮነስ ከይኣውት ንዝኽልክሉዎም ሰባት ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም ይብል እቲ ትካል።

ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ 2015 - 8 ሚእታዊ ካብ ኣጠቓላሊ በጀቱ ወይ 52 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ረኺቡ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG