‘አብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ህይወትን ንብረትን ጥፍኣትን ውድመትን እንታይ ከምዝመስል ብንጹር ክግምገም ኣለዎ’ ባሃላይ እዮም ኢንጂነር ግደይ ዘረአጽየን። ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ግና ‘መርተዖታትን ጭብታትንስ መሊኡ’ ይብሉ።
ክልቲኦም ኣጋይሽ ብዛዕባ ናይ’ቲ ሽግር አንፈት ኣፈታትሕኣ ክዛረቡ ከለው፣ ዶ/ር ገላዴዎስ ‘መሪሕነት ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ለባም ኣማኻርቲ ኣለዎ እንተኾይኑ፣ ኣነ ባዕለይ ኣማኻሪኦም እንተዝኾን ነይረ ‘ንህወሓት ዝሓወሰ ምስ ኩሎም ሰብ እጀታ ናብ ልዝብን ዕርቂን እንተዝአትው ምመረጽኩ ነይረ’ ኢሎም።
ኢንጂነር ግደይ ብተረኦም ‘ምስ ዶ/ር ገላዴዎስ ዘቅረብዎ ዝዓዘዘ ኣንፈት ኣፈታትሓ ከምዝሰማምዕሉ፣ ህወሓት ኣካል እቲ ፍታሕ ንክኾን ናብ መኣዲ ልዝብ ይተሓወስ ንዝብል ሪኢቶ ግና ከምዝቃወሙ’ ጠቂሶም።
ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ። ዶ/ር ገላዴዎስ አርአያ 'ኣብ'ቲ ውግእ ንሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ብተወንጫፊን ከምዝተፈጸመ፣ ዘረፋ ዓበይቲን ናእሽቱን ትካላት ብሰራዊት ኤርትራ ከይተረፈ ከምዝተፈጸመ' ገሊጾም።
ኢንጂነር ግደይ ዘረአጽየን ብወገኖም 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ'ቲ ውግእ ከምዝተሳተፈን ከምዝድግፍዎን፣ ጠንቂ እቲ ውግእ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ፣ ንኤርትራ፣ ማእከላይ መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ከምጸላኢ ገይሩ ዝገለጾም ስለዝኾነ፣ እዞም ሓይልታት ኣብ'ቲ ውግእ ምስታፎም ዘግርም ኣይኮነን' ምባሎም ዝዝከር እዩ።