ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር አክሊሉ አሻግሬ ኢሳቅ፡ ብዛዕባ ሕማም ኩሊት ሳዕቤናቱን ሕክምንኡን ዝሃቦ መብርሂ


ሓደ ሰብ ሕማም ኩሊት ከም ዘለዎን ዘይብሉን አቀዲምካ ብምርመራ ደም ክፍለጥ ስለ ዝከአል ብፍላይ'ቶም አብ ቤተ-ሰቦም ከምዚ ዓይነት ሕማም ዝርአ ምርመራ ደም ምግባሮም አገዳሲ ምኻኑ ካብዚ ኣብ ዩናይትድ ሴቴይትስ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዶ/ር አክሊሉ አሻግሬ ኢሳቅ ኪኢላ ሕማም ኩሊት ገሊፁ።

ካይሰር ፐርመነንተ Kaiser Permanente ኣብ ዝተባህለ ዓብይ ትካል ሕክምና ኪኢላ ሕማም ኩሊትን ኣብ ክፍለ ግዝአት ሜሪላንድ ቨርጂንያን ዋሽንግተን ዲሲን ናይቲ ትካል ሓላፊ ሕክምና ምትካል ኩሊት ማለት Kidney Transplantation ዝኾነ ዶ/ር አክሊሉ አሻግሬ ኢሳቅ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ ብዛዕባ ሕማም ኩሊት ሳዕቤኑን ክግበር ዝከአል ሕክምናን መብርሂ ሂቡ'ሎ።

ንሎሚ ቀዳማይ ክፍሊ ቀሪቡ'ሎ። ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG