ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ኣመሪካ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለሓዀ መልእኽቲ ሓበሬታታት (E-mail) ተናዊጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን ተኸፊቱ


ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ኣመሪካ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለሓዀ መልእኽቲ ሓበሬታታት (E-mail) ተናዊጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን: ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ክፍለ ግዝኣት ፐንስልቫን ያ ዋዕላ ከቃንዕ ጀሚሩ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኸፍተ ዋዕላ: ኣደ መንበር ናይቲ ዋዕላ ደቢ ዋሰርማን ሹልዝ ቀዳመይቲ ግዳይ ናይቲ ዝለሓዀ መልእኽቲ ሓበሬታታት ብምዃን ካብ መዝነተን ተኣልየን ኣለዋ።

ቁጽሪቶም ዝለሓኹ ናይ መልእኽቲ ሓበሬታታት 20 ሽሕ ከምዝበጽሑ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ: ኣብቲ ዋዕላ ወግዓዊ ሕጹይነተን ክቕበላ ንዝተቐረባ ተወዳዳሪት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝኾና ሂላሪ ክሊንተን ብኣሉታ ከይጸለወን ኣይተረፈን።

ኣደ መንበር ናይቲ ዋዕላ ደቢ ዋሰርማን ሹልዝ
ኣደ መንበር ናይቲ ዋዕላ ደቢ ዋሰርማን ሹልዝ

ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ፤ ኣደ-መንበር ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ደቢ ዋሰርማን ሹልዝ ናብ ሂላሪ ክሊንተን ዘድሉ ስራሕ ምስርሐን ዘረጋግጽ ጽሑፋት’ዩ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተበቲኑ። በዚ ድማ፥ኣብቲ ዋዕላ ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኣክንዲ ሕጹይነት ሂላሪ ክሊንተን ኮይኑ ዝዕብልል: እዚ ጉዳይ ዝለሓኾ ሓበሬታ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ መባእታዊ ምርጫ ሰልፊ ደሞክራት ቀንዲ ተወዳዳሪ ሂላሪ ክሊንተን ዝነበሩ በርኒ ሳንደርስ “ኣቐዲመ እዚ ጉዳይ ተዛሪበሉ’የ ዝሰምዓኒ ግን ኣይረኸብኩን። ግዜ ግን ባዕሉ ኣቃሊዕዎ ስለዘሎ ንዓይ ሓድሽ ጉዳይ ኣይኮነን” ክብሉ መግለጺ ሂቦም ኣለው። እዚ ጉዳይ ንደገፍቶም ነቲ ዕረ እናጠዓሞም ዝተቐበልዎ ስዕረት መሊሱ ዝቖስቖሰ ጉዳይ ኮይኑ ተረኺቡሎ።

ደገፍቲ ሳንደርስ ንሻራዊ ኣልያ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ዝኹንን ተቓውሞ ከምዘካየዱውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ቤት ጽሕፈት ፈደራል መርመራ ኣመሪካ ማለት FBI ብኸመይ ሓበሬታ መልእኽቲ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ልሒዂ ንምፍላጥ መርመራ ከምዝጀመረ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG