ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሂላሪ ክሊንተን ልዕለይን ልዕሊ ቢል ክሊንተንን ከይተረፈ ንኣመሪካ ክመርሓ ብቕዕቲየን " ፕረዚደንት ኦባማ


ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ "ሂላሪ ክሊንተን ልዕለይን ልዕሊ ቢል ክሊንተንን ከይተረፈ ንኣመሪካ ክመርሓ ብቕዕቲየን " ክብሉ ኣብ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት መደረ ኣስሚዖም።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ 27 ሓምለ ዝተኻየደ ሳልሳይ መዓልቲ ዋዕላ ደሞክራት ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሓዊስካ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሰልፊ ደሞክራት ሄላሪ ክሊንተን እታ ዝበለጸት ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪት ምዃነን ብምዝርዛር ኣብ ልዕሊ ተቓናቓኒአን ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየን ዝሓየለን ቃና ዝተወሃሃደ ወቐሳ ኣቕሪቦም።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ መደረኦም: ሾሞንተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሶም ምስ ኩሉቲ ዝነበረ ፍልልያት ሂላሪ ክሊንተን ብልጽትን በላሕን ብምንባረን ኣብ ካቢነኦም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መዝነት ሂቦም ንኣመሪካ ከገልግላ ዕድመ ከቕርቡለን ከምዝኸኣሉ ጠቒሶም።

ንሶም፤ ሂላሪ ክሊንተን ካብ ስርሒት ምቕታል ኦሳማ ቢን ላደን ጀሚርካ ካልኦት ኣብ መሪሕነቶም ዓበይቲ ውሳነታት ክሓልፉ ኣብ ዝተገብረሉ ምስኦም ሓቢረን ከምዝነበራ ብምግላጽ ንመሪሕነት ኣመሪካ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ብቕዕቲ እየን ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦማባ ሂላሪ ክሊንተን ኣመሪካ ኣብ ዝሓሸ ጎደና ተምርሕ ንካብ ኩሉ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዜጋታት ኣሳታፊት ምስእትኸውንያ ዝብል እምነት ከምዘለወን ድማ ንዋዕለኛታት ኣረዲኦም።

"ኣመሪካውያን ንኹሉ ጥርጣረታትን ፍርሕታትን ኣወጊድኩም ምሳይ ኮይንኩም ንሂላሪ ክሊንተን መጻኢት ፕረዚደንት ኣመሪካ ገይርና ክትመርጹ ይሓተኩም" ድማ ኢሎም።

ንሜላ ተቐናቓኒአን ንምግላጽ ስም ዶናልድ ትራምፕ ክጽውዑ ኣብ ዝጀመሩሉ ካብ ዋዕለኛ ናይ ተቓውሞ ምዕዝምዛምኳ እንተተሰምዐ፤ ፕረዚደንት ኦባማ "ኣይነዕዘምዝም ነድምጽ" ክብሉ ቅጽበታዊ ምላሽ ሂቦም።

ፕረዚደንት ኦባማ "ኣይነዕዘምዝም ነድምጽ" ክብሉ ቅጽበታዊ ምላሽ ኣብ ዝሃቡሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:12 0:00

ዶናልድ ትራምፕ ብምዕዝምዛም ዘይኮነ ኣብ መድመጺ ነቑጣ ድምጺ ብምሃብ ጥራይ ክስዓሩን: ሂላሪ ክሊንተን ድማ ክዕወታ ከምዝኽእላ ንዋዕለኛ ኣተሓሳሲቦም።

"ዶናልድ ትራምፕ ጭርሖ ጥራይ እዮም ኣቕሪቦም። ፍርሒ ጥራይ እዮም ኣቕሪቦም። ንሶም ኣብ ልዕሊ ሰባት ፍርሒ ብምዝራእ ዶኾን ኣብ ስልጣን ከምጽእ ዘኽእል ድምጺ ብምርካብ ኣብዚ ምርጫ ክዕወት ይኽእልየ ካብ ዝብልዩ " ኢሎም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንሜላ ዶናልድ ትራምፕ እንክገልጹ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኖም ምስ ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ኣመሪካውያን ዘለዎም ጥቡቕ ምትእስሳር ተጠቒሞም እዮም ንሄላሪ ክሊንተን መጻኢት ፕረዚደንት ኣመሪካ ብቕዓት ክእለትን ተሞክሮን ከምዘለወን ገሊጾም።

ምክትል ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ: ንማእከላይ መንባብሮ ዘለዎም ኣመሪካውያን ጎሲኻ ሃብታም ክህብትም ድኻ ድማ ካብቲ ናይ ድኽነት ደረጅኡ ክወጽእ ከምዘይክእል ንዋዕለኛ ብምዝኽኻር ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ዓይነት ኣፍልጦ ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ኣመሪካውያን ከምዘይብሎም ሓቢሮም።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ባይደን ዶናልድ ትራምፕ "ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ ዝተሓተ ኣፍልጦን ቅሩብነትን ዘለዎም " ክብሉ ገሊጾሞም።

ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ደሞክራት ብምዃን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ምስ ሂላሪ ክሊንተን ተሰሊፎም ዘለው ቲም ከይን ብወገኖም: ዶናልድ ትራምፕ እመኑኒ እንበሉ ንዝገብርዎ መደረታት ነቒፎም። ንሶም ኣብ መደረኦም ብዙሓት ኣሚኖሞም ከብቅዑ ኣብ መወዳእትኡ ማይ ሓቚኖም እዮም ተሪፎም ክብሉ ንዋዕለኛታት ገሊጾም።

ሄላሪ ክሊንተን ሓሙስ ምሸት ኣብ መዕጸዊ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ንሰልፊ ደሞክራት ወኪለን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ክወዳደራ ሕጹይነተን ክቕበላ እየን። ምክትለን ሰነተር ቲም ከይን ትማሊ ምሸት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ነቲ ዝተረቑሑዎ መዝነት ብወግዒ ተቐቢሎሞ እዮም።

XS
SM
MD
LG