ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ጁብቲ ፕሬዝዳንት ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን ተቓዋሚ ፓርትን ጁብቲ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ንኢዶም


Djibouti
Djibouti

ናይ ጅቡቲ ፕሬዝዳንት ኢስማዒል ዖማር ጉሌህ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ መንግስትን ሕብረት ሃገራዊ ድሕነት /USN/ ብዝብል ዝፅዋዕ ተቓዋሚ ፓርቲን ንዝተበፅሐ ስምምዕ ንኢዶም።እዚ ስምምዕ እዚ ተቓወምቲ ኣብ ናይ 2013 / ምርጫ ዝሰዓርዎ ግን ድማ ዝተሓሰምዎ ናይ ፓርላማ መናብር ክወስዱ መንገዲ ዘጣጥሕ እዩ።

እቶም ፕሬዝዳንት ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ እቲ ስምምዕ ኣብ ጀቡቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘህድእ እዩ ኢሎም።’’ኣብ ጁቡቲ ዘሎ ሃውህው ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘህድእ እዩ ኢልና ስለ እንኣምን ብታሓጓስ ተቐቢልናዮ ኣለና።ፖለቲከኛታት ንኽወዳደሩን ሪእቶታቶምን ኣፈላልያቶምን ንኸንሸራሽሩን ሓድሽ መድረኽ ዝፈጥር እዩ’’ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ንገዛኢ ፓርትን ተቓዋሚ ፓርቲን ዝሓቖፈ ኮሚሽን ተጣይሹሎ።ኣብ ውሽጢ 30 ማዕልታት ኣብ ጭቡጥ ስምምዕ ክብፃዕ ዝሰርሕ እዩ’’ኢሎም።

ምጥያሽ ነፃ ኮሚሽን ምርጫ ኣብቲ ኣጀንዳ ካብ ዝተጠቕሱ ነጥብታት ሓደ እዩ።

ተቓዋሚ ፓርቲ USN ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2013 / ኣብዝተኻየደ ፓርላመንታዊ ምርጫ ካብ 65 መናብር 10 መናብር ስዒሩ ነይሩ።እንተኾነ ግን መንግስቲ ነቲ ምርጫ ኣጭበርቢሩዎ ክብል ኣይተቐበሎን።

ገዛኢ ፓርቲ ካብ 65 መናብር 55 መናብር ተቖፃፂሩ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG