ጂቡቲ ብሓገዝ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ነቲ ዝዓበየ ናጻ ዞባ ንግዲ ንምህናጽ ምቅርራባት ከምዝዛዘመት ፕረዚደንታ ኣፍሊጦም።
ዝሓለፈ መጋቢት ዝተኸትመ ውዕል ጂቡቲን ቻይናን፣ ኣብ ጂቡቲ 48 ስኼር ኪ/ሜ ወይ 19 ስኼር ማይል ናጻ ዞባ ንግዲ ክህነጽን፣ ቻይና ኣብ 60 ሃገራት ንዝኸፈተቶ ‘ሓደ ቀለበትን ሓደ መንገዲን’ መደብ ንምዕዋት ዝውዕልን’ዩ።
876 ሽሕ ዝህዝባ ንእሽተይ ሃገረ-ጂቡቲ ልዕሊ ዓቅማ ትሰርሕ ሃገር'ያ። ንሰራዊት ኣሜሪካን ፈረንሳይን ተተኣናግድ፣ ቻይና’ውን መደብር ትሃንጽ ኣላ፣ ናብ 99 ሚልዮን ዝህዝባ ኢትዮጵያ ዝኣትው 95 ሚእታዊ ኣቑሑ መተሓላለፊት’ያ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ናጻ ዞባ ንግዲ ጂቡቲ ዓቡበከር ኦማር ‘ጂቡቲ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ንደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያን ሃገራት ዓበይቲ ቃላይ ክትጠቅም ኢና ንደልያ’ ይብል።
እቲ ዝኽፈት ናጻ ዞባ ንግዲ ን15 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥረሎም'ዩ።