ዋሽንግተን —
ሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ድሮን ብምፍፃም "ኣባላት ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎም ሸሞንተ ውልቀሰባትን ቁጽሮም ዘይተፈለጡ ስቪላትን ከም ዝቐተሉ ሰበስልጣን ጅቡቲ ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።
መግለጺ ሚንስትሪ ምክልኻል ጅቡቲ ኣስታት "ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣዶርታ ዝተባህለ ከባቢ ኣንፃር ግብረ -ሽበራዊ ጉጅለ መጥቓዕቲ ድሮን ተኻይዱ’’ ኢሉ። እቲ መግለፂ ወሲኹ ‘’ሸሞንተ ኣሽበርቲ ተወጊዶም" ድሕሪ ምባል "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዘይተሓሰበ ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ስቪላትት ወሪዱ ኣሎ’’ ይብል። ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢስማዒል ጉለህ ዝኾነ ኣሌክሲስ ሞሓመድ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቶም ዕጡቓት ኣባላት ኣርምድ ፍሮንት ፎር ሪስቶሬሽን ዩኒቲ ዲሞክራሲን (Armed Front for the Restoration of Unity and Democracy) ብዝብል ሽም ዝፍለጥን ጅቡቲ ግብረ ሽበራዊ ኢላ ዝመደበቶ ውድብ እዮ።
እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ንዝብል ፀብፃባት ማሕበራዊ ሚዲያ ጅቡቲ ነፂጋቶ ኣላ።
ቅጥዒ