ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ ንተመዛበልቲ ቀጺሉ ኣሎ


ኮሚቴ ምትእኽኻብ ገንዘብ ንተመዛበልቲ ተጋሩ
ኮሚቴ ምትእኽኻብ ገንዘብ ንተመዛበልቲ ተጋሩ

‘Go Fund Me’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓለም ለኸ ኩባንያ ንሓገዝ ተጋሩ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣስታት 41 ሽሕ ዶላት ኣኪብና ኣለና’ ይብሉ ናይ ሎሚ ኣጋይሽና።

ሙና ገብረን ሓድሽ መኮንንን ‘ንኮሚቴ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ተመዛበልቲ ተጋሩ’ ወኪሎም ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝነበሮም ቃለ መሕትት እቲ ናብ ‘Go Fund me’ ኣትዩ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ዕጹው ካዝና ከምዝተቐመጠን እቲ ከምሸቶ ዝተታሓዘ ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ዶላር ምስ ተአከበ ኣውጺኦም ናብ ዝምልከቶም ተፈናቀልቲ ከምዝበጽሕን’ ጠቂሶም።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ውሽጣዊ ግጭት፣ ሚልዮናት ዜጋታት ግዳይ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ዝዝከር’ዩ። ኣስታት 40 ሽሕ ተጋሩ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ተፈናቒሎም ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ’ውን ክልቲኦም ኣጋይሽ ይገልጹ።

ሓድሽ መኮንን 'ነዚ ቅዱስ ዕላማ'ዚ ሰሚዖም ክንሕግዝ ንደሊ ኢና ዝብሉ እንተሃልዮም ኣብ Go Fund Me ኣትዮም 'Tegaru Disaster Relief Fund' Account No. 700-998-8010፣ Routing No. 111-900-659 ክልግሱ ከምዝኽእሉ' ጠቒሱ ኣሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:48 0:00

XS
SM
MD
LG