ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ሰራዊት ደሞክራሲያዊ ርፓብሊክ ኮንጎን ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ዘሎ ጎንጺ ኣብ ዝሓየለሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ኣስታት 400-ሽሕ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ምምዝባሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ብሩዋንዳ ከም ዝሕገዙ ዝንገሩ ተቓለስቲ ኤም-23 ሰፋሕቲ ቦታታት እናተቖጻጸሩ ነታ ዓባይ ከተማ ጎማ ንምቍጽጻር ዓሊሞም ይግስግሱ ኣለዉ።
ሰራዊት ኤም-23 ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ካብ ጎማ ኣስታት 20 ኪሎሜተር (12 ማይላት) ርሒቖም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ሰሜን ኪቩ ዝዀነ ጀነራል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቅድመ-ግንባር ኣብ ዝነበረ ኲናት ተቐቲሉ ኣሎ። ንዕኡ ስዒቡ ኣብ መሪሕነት ፕረዚደንት ኮንጎ ፈሊክስ ቲሽከዲ ከቢድ ቅልውላው ፈጢሩ ኣሎ።
ሩዋንዳ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከም እተዕጥቖን ሰራዊታ’ውን ምስኡ ሓቢሮም ይቃለሱ ምህላዎምን በበይኖም ወገናት ይኸሱ። ሩዋንዳ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
በብእዋኑ ንዕርቂ መራሕቲ ሩዋንዳን ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ክግበር ዝጸንሐ ፈተነ ፍረ ኣይሃበን። ኣብቲ ኣህጉር ሰፊሕ ወፍሪ ከም ዘለዋ እትፍለጥ ቱርኪየ ትማሊ ሓሙስ ንኽልተኦም መንግስታት ንምሽምጋል ዘለዋ ድሌት ገሊጻ ኣላ። ቅድሚ ሎሚ ብውሑዱ ንሽዱሽተ እዋናት ዝኸውን ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዝተገብረ ደኣ ይነገር እምበር፡ ለውጢ ግን ኣየመጽአን።
ቅጥዒ