ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኤርትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ’ ንጻዊዒት-ሰላም ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ምላሽ ይህብ


ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ
ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ

ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ፡ ሰላም ንምፍጣር ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ`ሎ። ዝርዝር እማመ ሰላም ሓዲሽ መንግስቱ ዛጊድ እንተዘይተነጸረ`ኳ፡ ካብ`ቶም ዝሓለፉ መራሕቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ጻዊዒት ሰላም ፍልይ ዝበለ`ዩ ዝብል ብዙሓት ዝሓዝዎ ተስፋን እምነትን ኮይኑ`ሎ።

ነዚ ጻዊዒት`ዚ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ቁሩብ ዝለዘበ `ኳ እንተኾነ፡ ካብ`ቲ `ልዑላዊ መሬት ይከበር` ዝብል መርገጽ ዝተቐየረ ነገር የለን። ካብ መንግስቲ ወጻኢ፡ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራት`ውን ርእቶታት ኣይተሳእነን። ንሎሚ ካብ `ኤርትራዊ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ` ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ኣቦ-መንበር መድረኽን፡ ኣብ ቶዎር ዪንቨርሲቲ ፕሮፈሰር ዓለማዊ ጥዕናን`ዩ። ምምልካት ዶብ ናብ ሰላም ዝወስድን፡ ንዲሞክራሲ ማዕጾ ዘርሕውን`ዩ ይብል።

ምስኡ ዝተገብረ ምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG