ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን`ከ ብዛዕባ ብቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተዘርበ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እንታይ ይብሉ?


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክንገብር ንሰርሓሉ ኣለና ኢሎም ኔሮም። ንሶም ከምኡ ዝበሉ፡ ኣብ ከባቢ ሑመራ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ካብ`ቶም ነበርቲ ገሊኦም ፡ እዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ይጎድኣና ስለዘሎ መንግስቲ እንታይ ሓዲሽ ሓሳብ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ`ዩ። እዚ ርእይቶ`ዚ ኣብ ፓርላማ`ውን ከምዝደገምዎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መደባት ድምጺ ኣሜሪካ ብዛዕባ`ዚ ኣርእስቲ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ኣዘራሪብና ኔርና። ንሎሚ ድማ ኣብ`ቲ ናይ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዘረባ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ክልተ ኤርትራውያን ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪን አቶ ኣሉላ ኣብርሃ ኣዘራሪብና ኣለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG