ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ -- ኣብ ስደት መናእሰይ ክልል ትግራይ


ቁጽሪ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለው መናእሰይ ክልል ትግራይ ይበዝሕ ኣሎ፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ቁጽሪ ኣብ ሓደጋ ዝወድቑ ዘሎ መንእሰያት ድማ ይውስኽ ኣሎ ዝብል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መበገሲ ብምግባር ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ እንታይ ይመስል? ብሓቂ ዝተፀንዐ ፀብፃብ ኣሎና'ዶ? መፍትሒኡ እንታይ እዮ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ንምዝርራብ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መናእሰይ ክልል ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ፣ ዳይሬክተር ኣብ ዓቕሚ ምዕባይ መንእሰያት ትግራይ ፍታሕ ዘናዲ ሲቪካዊ ማሕበር መንእሰይ ዳዊት ሃይሉ፣ መንእሰይ መዘክር ዘሞ ብናይ ውልቀ ስራሕ ዝመሓደርን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝነጥፍ እዮም። ከምኡ'ውን ርእይቶ ናብ ስደት ክኸዱ ዝተዳለዉ መናእሰይን ኣብቲ ቦታ ምስበፅሑ ዝገጥሞም ፀገምን ዝተዓዘቡን የጠቓልል።

ተዛተይቲ እዚ ዋሕዚ መንእሰያት ንምግታእ ንመንግስቲ ከይተፀበና ኩሉ በብመዳዩ ዝገብሮ ፃዕሪ ከሓይልን መንግስቲ ድማ ነቶም ማሕለኻታት ኮይኖም ዝፀንሑ ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓታት ብምእላይን ሓደሽቲ ምስ እዋኑ ዝኸዱ ስርዓታት ብምትእትታው እጃሙ ክበርክት ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG