ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣቡነ ሽኖዳን ኣቡነ መቃርዮስን ዝምርሑ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጽሖም ይገልጹ


ብኣቡነ ሽኖዳን ኣቡነ መቃርዮስን ዝምርሑ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጽሖም ይገልጹ

ኣብ ኣመሪካን ኣብ ዙርያ ዓለምን ዝነብሩ ብኣቡነ ሽኖዳን ኣቡነ መቃርዮስን ዝምርሑ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ኤርትራ፥ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘዳለውዎ መደብ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ካብ ወገን ኣቡነ ሽኖዳ ዝተዛረቡ ቆሞስ ኣባ ተኽለሃይማኖት ደብሩ ክኾኑ ከለዉ፡ ካብ ወገን ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ እዮም።ምኽንያት ፍልልዮም ኣብ ጉዕዞ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዘተኮረ ምንባሩ ዝጠቐሱ ክልቲኦም ካህናት፡ "ክልቴና ኣቡነ እንጠንዮስ እናበልና ናእሽቱ ፍልልያት ከረሓሕቐና ኣይግባእን" ኢሎም ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ገሊጾም።

እዞም ክልተ ኣቡናት ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅዱስ ሲኖዶስ እውን ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝደልዩን፡ እንተኾኑ ካብ ኤርትራ ዛጊት ኣወንታዊ ምላሽ ከምዘይረኸቡን ተዛሪቦም ኣለዉ።

ኣብ ቀጻሊ ካብ ወገን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ርእይቶ ክነቕርብ ክንፍትን ኢና።

XS
SM
MD
LG