ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፤ መጻኢ ዕድል ኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ ከመይ ይመስል?


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 400 ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጽንሕ ሕጋዊ ወረቐት የብልኩምን ብዝብል ምኽንያት ናብ ወደብ ዓሰብ ምስጓጎም ይዝከር። ኣብዚ ኣርእስቲ ንምቕጻል ነዚ ዛዕባ ንምዕማቝ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።

ዕዱማትና ኣብዚ ኣርእስቲ ሰፊሕ ናይ ስራሕን መጽናዕቲን ተመኵሮ ዘለዎም ኰይኖም፡ ፕሮፈሰር ጋይም ክብረኣብን ሜሮን እስቲፋኖስን’ዮም። ፕሮፈሰር ጋይም፡ መብዛሕትኡ ምስ ጉዳያት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣመልኪቱ ነዊሕ ምርመራዊ መጽናዕቲ ዝገብረን ልዕሊ 10 መጽናዕታዊ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን’ዩ። ሜሮን እስቲፋኖስ ድማ ምስ ጉዳያት ስደተኛታት ተኣሳሲራ ነዊሕ ዓመታት ክትሰርሕ ዝጸንሐትን ዘላን’ያ። ኣብዚ ዘተ ኣጋይሽና ንኹነታት ኣነባብራ ኤርትራውያን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምስቲ ተቐባሊ ሕብረተሰብ ኣብ ጠመተ ዘእትዎም ኩነታትን፡ መስርሕ ምምዝጋብ ስደተኛታትን ካልእ ዛዕባታትን ኣጣሚርና ኣሎና።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG