ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፤ ኣብ ጉዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም መጥቃዕታትን


ወ/ሮ ኣሰፉ ኣባይ: ኣቶ መኮነን ፍሰሃ
ወ/ሮ ኣሰፉ ኣባይ: ኣቶ መኮነን ፍሰሃ

ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ኹነታት ፀጥታ ተተሓሒዙ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙ መጥቃዕትታት ይበዝሑ ምህላዎም እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ? ቅድሚ እቲ ኲናት ምስ ዝነበረ ኩነታት ብምንፅፃር ንምርኣይ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።

ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተቐትለት ዘውዱ ሃፍቱ ብዝምልከት ንሓፍታ ብርቱካን ሃፍቱንን ብሓደ ውልቀ ሰብ ተዓሚፃን ብማህረምቲ ኣካላዊ ጉድኣት ንዝበፅሓ ጓል ኣንስተይቲ ተጠርጣሪ ብነፃ ክስደድ ስለ ዝተገብረ (እቲ መርመራ ኣብዚ እዋን ኣብ ከይዲ እንተሃለወ’ውን) ሓዋ ጋዜጠኛ ጋረድ ሓጎስ ነቲ ዝነበረን ዛጊት ዝበፅሓሉ ኩነታትን ብምዝርራብ ናይ ዘተና መበገሲ ገይርና ኣቕሪብናዮ።

ጋሻና ወ/ሮ ኣሰፉ ኣባይ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ብዝሒ ገበናትን መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን መበገሲኡ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብን ምምሕዳር መንግስትን ዝተፈጥረ ክፍተት ዘበገሶ እዩ ክብላ ከለዋ፤ ኣቶ መኮነን ፍሰሃ ድማ ብፍላይ እቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ሙሉእ ብሙሉእ ክፈርስ ምግባሩ፣ ድሕሪ ኲናት ክስዕብ ብዝኽእል ቅልውላው ስምዒት ክፈጥሮ ዝኽአል ዘይምርግጋኣትን ከምኡ’ውን ውዕል ፕሪቶርያ ከምቲ ስምምዕ ክፍፀም ዘይምኽኣሉ ዝፈጠሮ ቅልውላው ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ መበገሲ ምኽንያታት ዝበልዎም ይገልፁ።

ፈነወ ትግርኛ ቀዳም
please wait

No media source currently available

0:00 0:30:00 0:00

ፈነወ ትግርኛ ሰንበት
please wait

No media source currently available

0:00 0:29:59 0:00

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG