ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰብ-ስርሖ ብልሒ ምስ ኣቶ ቢንያም ገብረኪዳን


ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰብ -ስርሖ ብልሒ ምስ ኣቶ ቢንያም ገብረኪዳን
please wait

No media source currently available

0:00 0:22:05 0:00

ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰብ -ስርሖ ብልሒ ምስ ኣቶ ቢንያም ገብረኪዳን

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ንዝረኣ ዘሎ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንዝምልከት መራሕቲ ሃገራት ከይተረፈ ንኣጠቓቕምኡ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ሕግታት ከውፅኡ ተደሪኾም ኣለው።ከም ቻትጂፒጂ (ChatGPT) ከምዝኣመሰሉ ሶፍትዌራት ኣሉታዊ ጽልዎምን ኣወንታዊ ረብሕኦምን ብዝምልከት ንክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣቶ ቢኒንያም ገብረኪዳን ካብ ሆላንድ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ቅድሚ ሎሚ ብሰባት ጥራሕ ይስርሑ ዝነበሩን ኮምፒተር ዘይሰርሖም ዝነበሩን ከም ምልላይ ምስልታት፣ ምዝራብን ካልኦትን ብተዓጻጻፊ ንምስራሕ ከምዘኽኣለ ኣቶ ቢንያም ይገልፅ። ኣብ ኮምፒተር ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ፅሑፍ ሓቅን ዘይሓቅን ናይ ምፍላይ ሓላፍነት ኣብ ተጠቀምቲ ስለዝወድቕ ካብ ጉድለታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሓደ ምዃኑ ይገልፅ ኣብ ሆላንድ ዝመደብሩ Bol.com ኣብ ዝተባህለ ናይ ኢ-ኮምረስ ትካል ብሞያ ሰብ-አስርሖ ብልሒ ዝሰርሕ ኣቶ ቢንያም ገብረኪዳን ይገልፅ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG