ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ -- ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ


ዶ/ር ገብርሂወት ተስፋጊዮርጊስን ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን
ዶ/ር ገብርሂወት ተስፋጊዮርጊስን ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንኣጠቓቕማን ዋንነትን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ሰማዕትን ተንተንትን ኣዝዩ ኣካታዒ ኮይኑ ቀንዩ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ኣብ ሕጊን ህልው ኩነታት ኤርትራን ከባቢኣን ተመርኩሶም፡ ምሁራዊ ትንተናኦም ሂቦም ኣለው።

ዶ/ር ገብርሂወት ተስፋጊዮርጊስ ምሁር ሕጊ ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዊንስከንሰንን፡ ዩኒቨርሲቲ ነብራስካን፡ ብላዕላዋይ ሓላፍነት ዝሰርሐ፡ ብፍላይ ዳሕራይ ድማ ኣብ ኣይዋ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ዳይሬክተር ትካላዊ መጽናዕቲ ኮይኑ ዝሰርሐን፡ ኣባል ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ዝነበረን`ዩ። ብዛዕባ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዙሕ ጽሑፋት ንሕትመት ዘብቅዐን፡ ዋና ኣሰናዳኢ Eritrean Review Studies ዝተባህለ ጆርናል ዝነበረን`ዩ።

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ናይ ማሪን ባዮሎጂ (ስነ-ህይወት ባሕሪ) ተመራማሪ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ንተጠቃምነት ጸጋታት ባሕርን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ባሕሪ ዝህልዎ ለውጥን፡ ተጠቀምቲ ብከመይ ይብድህዎን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዝሰርሕ ዘሎን እዩ። ንህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራን ከባቢኣን`ውን ብኣትኵሮ ዝከታተል እዩ።

ብዛዕባ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ብዓይኒ ኣህጉራዊ ሕጊን ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዳለወ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG