ዋሽንግተን —
ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ፈላማይ ዙር ትግባረ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምጥያስን ምጽንባር ናብ ሕብረተሰብን ጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ትግባረ ብደረጃ ሃገር 371-ሽሕ ዕጡቃት ተዋጋእቲ ነበር ዕጥቆም ብምርካብ ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም ስሩዕ መነባብሮኦም ዝመርሕሉ ኣገባብ ንእግሪ መትከሊ ተባሂሉ ካብ ለገስቲ ሃገራትን መንግስቲ ፌደራልን ተኣኻኺቡ ብዝወሃቦም ገንዘብ ዝፋነውሉ ተግባር እዩ።
ኣብ'ዚ ጉዳይ እምበኣር ንኣፈፃፅማን ትግባርኡ ዝምልከት ካብ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ድሕሩ ትግባረ ኣብቲ ክልል ነቶም ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅምበሩ ዘለዉ ዕጡቃት ነበርቲን ብመንግስትን ዜጋታትን እንታይ ትልምን ቅድመ ድሉውነትን ኣሎ ኣብ ዝብል ዝተፈላለዩ ሰብ ብፅሒት ኣካላት ዝዓደምናሉ መደብ እዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ