ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ቀ/ሚ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ተቓወምቲን


ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣኼባ ምክያዶም ፅቡቕ ስጉምቲ እዩ ኢሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ተቓወምቲ ፓርትታት። ካብ ምዝርራብ ወፃኢ ካልእ መንገዲ የለን ዝበሉ እዞም ተቓወምቲ ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ቀፃልነት ክህልዎን እኹል ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን እውን ክረክብን ፀዊዕም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብዛዕባ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ምስ ተቓወምቲ ዘካየድዎ ኣኼባ እዚ ናይ መጀመሪያ መድረኽ'ዩ።እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሕቶታት መራሕቲ ተቓወምቲ ብደብዳቤ እንተዘይኮይኑ ብኣካል ሰሚዖም ኣይፈልጡን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ዝተረኽቡ መብዛሕቲኦም ተቓወምቲ ኣባላት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝኮኑ ፖለቲካዊ ፓርትታት እዮም።

ናይ ኢትዮጵያ ራእይ ፓርቲ ካብኦም ተሳተፊ እቲ አኼባ ሓደ ኮይኑ ፕሬዝዳንት እቲ ፓርቲ ኣቶ ተሻለ ሰብሮ እቲ መድረኽ ኩሎም ተቓወምቲ ፓርትታት ክሓትዎ ዝፀንሑ እዩ ኢሎም።

‘’ድሕሪ 10 ዓመታት ዝተረኽበ ኣጀንዳ እዩ፤ብቐሊል ኣይተረኽበን’’ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ኣብዚ መድረኽ እዚ ዘይተሳተፉ ተቓወምቲ ፓርትታት ሓዊሱ ኩላትና ክንሓቶ ዝፀናሕ እዩ’’ኢሎም።ብከምዚ ዝቕፅል እንተኾይኑ ዓብዪ ስጉምቲ እዩ'ውን ኢሎም።

ንከይዲ ሃገራዊ መረፃ ካብ ዝነቐፉ ፓርትታት ሓደ ናይ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ /ኢዴፓ/ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ጫኔ ከበደ ተቓወምቲ ንዝፍጠሩ ዕድላት ክጥቀምሉ ኣለዎም ብምባል ከምዚኦም ዝበሉ ኣጋጣሚታት ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምቅላሕ ከምዝጥቕሙን ኣብ ፓርላማ ዘይተረኸበ መሰል በዚ መልክዕ እንተድኣ ተረኺቡ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዝጠቅም መንገዲ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG