ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አእጋሩ ለሚሱ በአእዳዉ እናተጓዓዘ ዝመሃርን ዝሰርሕን መንእሰይ


መንእሰይ ገብረዋህድ ጎይትኦም ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት እናሃለወ ዓብይ ሓዉ ሓዚልዎ እናሃለዎ ይሞልቆ እሞ ይወድቕ ብድሕሪኡ ክልቲአን አእጋሩ ይለምሳ። ካብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ወረዳ ቆላ ተምቤን ናብ ማእኸላይ ዞባ ትግራይ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ተዛዊሩ ኣብታ ከተማ ጫማ እናወልወለን እናሰፈየን ይነብር።

በአእዳዉ እናተሳለየ ድማ ዓስራይ ክፍሊ በፂሑ ኣሎ። ገዛ ተኻርዩ ጫማ ወልዊሉን ሰፍዩን ኣብ ወርሒ ክሳብ 900 ቕርሺ ይረክብ። በዚ ኣቢሉ ድማ ንስድርኡ ይረድእ። “ኣብ ገጠር ንዘላ ወላዲተይ 10 ኣጣል ገዚአላ እተን ኣጣል 15 በፂሐን ኣለዋ። ሓፍተይ 8ይ ሓወይ እውን 7ይ ክፍሊ ይማሃሩ። ደፋትርን መፃሕፍትን ኣነ እየ ዝዕድገሎም” ይብል ገብረዋህድ።

ገብረዋህድ መንገዲ ሓደ ሰዓትን ፈርቓን በአእዳዉ እናተጓዓዘ ይማሃር ኣሎ። 10ይ ክፍሊ በፂሑ ኣሎ ንቐፃሊ ሞያዊ ትምህርቲ ክወስድ ይደሊ።

XS
SM
MD
LG