ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጁብቲ ዝተፀውዐ ሰልፊ ብዙሕ ሰብ ኣይተሳተፈሉን ይብሉ ሰበስልጣን፡ ተቓወምቲ ድማ ክልተ ኪ.ሜ ዝሸፈነ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ይገልጹ


‘’እቲ ህዝቢ ፃውዒት መንግስቲ ኣኽቢሩ’ሎ።ካብ ገዝኦም ኣይወፁን።’’ ሚ/ር ወፃኢ "እቲ ሰልፊ ተካይዱ'ዩ" መራሒ ተቃዋሚ

መራሕቲ ተቓውምቲ ጁብቲ ድሕሪ ናይ ሎማዕንቲ ዓርቢ ዝፀውዕዎ ፀረ መንግስቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዙሕ ህዝቢ ኣይተረኸበሎምን።

ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዋና ከተማ ጁቡቲ ካብ 5 ክሳብ 15 ሽሕ ተቓወምቲ ኣሰሊፎም ዝነበሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ጁብቲ ሎሚ ግን ሰማዓይ ኣይረኸቡን።

ጁቡታዊያን ኣብ'ቲ ድሕሪ ናይ ዓርቢ ስርዓተ-መስጊድ፣ ፕሬዝዳንት ኦማር ጊሌ ካብስልጣኖም ንኽወርዱ ንምሕታት ዝተፀወዐ ሰልፊ ብበዝሒ ኣይተረኽቡን።

ምንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ጁብቲ ሞሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ብወገኖም ሰልፊ ከምዘይተኻየደ ይዛረቡ።

‘’እቲ ህዝቢ ፃውዒት መንግስቲ ኣኽቢሩ’ሎ።ካብ ገዝኡ ኣይወፀን’’ይብሉ እቶም ምንስትር።

ብካልእወገን መራሒ ተቓዋሚ ኣደን ሮብለ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ሰልፊ ምክያዱ ይገልፁ። ብምቕፃል እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፈሺሉ እዩ ዝብሃል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ይብሉ።ብምስዓብ ’’ኣብ ሓደ ቦታ ሓይልታት ፀጥታ ዘንብዕ ጋዝ ክትኩሱ እንተለው ሓይልታት ሰራዊት እውን ኣብኡ ነይሮም’’ይብሉ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሪፖርተር ድምፂ ኣሜሪካ ሓይልታት መንግስቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይካየድ ብዝግባእ ምቁፅፃሮምን ብዙሕ ሰብ ከምዘይወፀን ኣረጋጊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG