ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝመጹ ተወላዶ ኦሮሞን ካልኦትን ኣብ ኒዮርክ ኣፍደገ ሕቡራት መንግስትታ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቶም ኣብ ፊት ንፊት ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ተቃውሞ ሰልፊ ዝገብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዘውርዶ ዘሎ ዝበሉዎ ግፍዕን ማእሰርትን ደው ይብል ክብሉ ሓቲቶም ኣለው።