ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ምቕፃሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ዘርእዩ ምስልታት ሳተላይት ወፂኦም ኣለው።ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣተሓባባሪነትን ተዓዛብነትን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ክዛዘም እዩ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ልዝብ ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ኣብ ዝተረፉን ቴክኒካዊን ጉዳያት ልዝብ ይካየድ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ጀሚሩ እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ዲና "መንግስቲ ቅድሚ ሎሚ ነቲ ግድብ ንምምላእ ሒዙዎ ዝነበረ ፅኑዕ መርገፂ ሕጂ እውን ይድፍኣሉ እዩ ዘሎ’’ ኢሎም።

ብሳተላይት ብዛዕባ ዝርአ ምስሊ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው እቲ ህንፀት ብዝድለን ዕዉትን ኣገባብ ይስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር "ብሳተላይት ዝርኣዩ ዘለው ምስልታት እውን ትኽክለኛ እዮም ተባሂሎም ክውሰዱ ይኽእሉ እዮም ግን ንሳተላይት ናይ ምትርጓም ክእለት ስለ ዘይብለይን ስለዘይርኣኹዎን ከምዚ እዩ ንምባል ክጽግመኒ ይኽእል እዩ’’ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ ምምልኡ ግን ዘየጠራጥርን ዘይትረፍን እዩ ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ልዝብ ብተዓዛባይነት ጥራሕ ይሳተፍ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና ገለ ናይ ምትሕብባር ጊደ ዝፃወቱ እንተኾይኖም ድማ ብስምምዕ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት እዩ ኢሎም።

ግብፂ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ ዝነበረ ጉዳይ ብዝምልከት ክገልፁ ከለው "ግብፃዊያን ግድብ ህዳሴ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ስግኣት ስለዝኾነ ኣጀንዳ ተተሒዙ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ምይይጥ ይገበረሉ ዝበል እዩ ነይሩ።ዝተፈላለያ ኣባላት ቤት ምኽሪ ግን እቲ ጉዳይ ነዚ ከምዘየማልእን ናይ ፀጥታ ስግኣት ክኸውን ከምዘይኽእልን በዚ ደረጃ ክተሓዝ ከምዘብሉን ብምግላፅ ብዝተኸኣለ ብሰለስቲአን ሃገራት ክርአ ኣለዎ ኢሎም’’ኢሎም። ገለ ሃገራት ፍሉይ ዝበለ ርእይቶ ዝሃባ ነይረን ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ናብ ኣፍሪቃ ክምለስን ክደፍእሉ ምፅንሑን ፀገም እንተሃሊዩ እውን ብናይ ኣፍሪቃ ጥበብ ክፍታሕ ዝብል መርገፂ ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገን ግብፂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተፈላለየ መርገፅን መግለፅን ምሃቦም ልሙድ ምዃኑን ኢትዮጵያ ግን ምትእምማን ክሰፍን እዚ ግድብ ካልእ ተልእኾ የብልናን ዝብል ንግብፃዊያን ይኹን ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምርዳእና ክቕፀል እዩ፤ እዚ ስምምዕነት ብሰላም ክዛዘም ተስፋ ኣለና ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG