ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጥፈታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን


ማሕበር ልምዓት ጀርመን ቅድሚ 26 ዓመታት ዝተመስረተት ማሕበር ኾይና ኣብ ሓለዋ ጥዕናን ዝርገሐ ትምህርትን ኣድሂባ ትነጥፍ ምህላዋ ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ኣይተ ሰለሞን ኣሰፋ ይገልፁ።

100 ሚልዮን ቕርሺ ዝግመት ዘመናዊ ናውቲ ሕክምና ናብ ትግራይ ብምልኣኽን 7 ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ገጠራት ትግራይ ብምህናፅን ዕዉት ፍጻመታት ልምዓት ኣመዝጊባ ኣላ ኢሎም። ብመሰረት እዚ 39 ኮንቴይነር ምሉእ ሕክምናዊ ናውቲ ተላኢኹ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ዝነበሮ ሕፅረት ክቃለል ሓጊዛ'ያ። ልዕሊ 70 ሚእታዊት ናውቲ ሕክምና ዓይደር ካብ ጀርመን ዝተልኣኸ'ዩ።

ብተወሳኺ ብፃዕሪ እታ ማሕበር ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት 200 ላዕለዎት ሓካይም ካብ ጀርመን ናብ ትግራይ ከይዶም ናጻ አገልግሎት ሂቦም 'ዮም። 10 ኢትዮጵያውያን ሓካይም እውን ኣብ ጀርመን ንሓደ ዓመት ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም ተማሂሮም 'ዮም፤ ካልኣይ ዙርያ እውን ይመሃሩ ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ከተማታት መቐለን ጀርመናዊት ከተማ ዊትንን ምሕዝነታዊ ርክብ ብሳላ እታ ማሕበር ተመስሪቱ ብፍላይ ከተማ መቐለ ኣብ ልምዓት ከተማን ሰናይ ምምሕዳርን ሓገዝ ንኽትረክብ ውዕል ፈጺሙ'ሎ። ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ዳኒኤል ኣሰፋ ናብ ጀርመን ከይዶም ነቲ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ንጥፈታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:17 0:00

XS
SM
MD
LG