ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም 265 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ውሕስነት መግቢ  ከጋጥሞም ከምዝክእል ኣጠንቂቑ 


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓደ ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ19 ኣዕናዊ ለበዳ ጥምየት ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ኣብዚ ዓመት 265 ሚሊዮን ሰባት ሓደጋ ውሕስነት መግቢ ከጋጥሞም ከምዝክእል ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ።

ብመሰረት ትንታነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣስታት 265 ሚሊዮን ሰባት ከቢድ ፀገም ውሕስነት መግቢ ከጋጥሞም ከምዝክእል ይሕብር። እቲ ኣሃዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከጋጥም ይኽእል እዩ ተባሂሉ ካብ ዝተገመተ 130 ሚሊዮን ብዕፅፊ ዝዓበየ እዩ።

እቲ ለበዳ ኣቐዲሙ ዘፍርሕ ዝነበረ ኩነታት ጥምየት ዘጋድድ እዩ።ሕጂ 1 ካብ 9 ሰባት ዝብላዕ የብሉን፤820 ሚሊዮን ሰባት ብቀፃሊ ይጠምዩ ኣለው ማለት እዩ።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደብሩ Hunger Project ናይ ዝተባህለ ተበግሶ ወሃቢት ቃል ሳራ ዊልሰን ኣጋጢሙ ዘሎ ካብ ናይ ጥዕና ለበዳ ንላዕሊን ናይ ጥምየት ቅልውላው እናኾነ ይኸይድ ኣሎ ኢላ። ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ተኣሳሲሩ ዝህልዉ ‘’ለበዳ ጥምየት’’ ብሰንኪ ቁጠባዊ ሽግር፣ናህሪ ዋጋን ምቁራጽ ሰንሰለት ቀረብ መግብን ዝፍጠር እዩ።

ፈፃሚ ዳይረክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ‘’ዓፀቦ ገና የለን’’ ኢሎም። ‘’ግን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ከምዝሰፈሩ ብርክት ዝበሉ ዓፀቦታት ከጋጥም ይኽእል እዩ’’ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም እዋናዊ ሸቕሊ ብምስንኻሉ ሰራሕተኛትታ ዝልእኹዎ ገንዘብ ኣብ ሃይቲ፣ኔፓልን ሶማልን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከንቆልቁል ትፅቢት ይግበር ኢሎም ። ኣብ ዙሪያ ዓለም ብሰንኪ ዝተነብረ እገዳ ጉዕዞ ካብ በፃሕቲ ዝርከብ ገንዘብ ኣይህሉን።ቱሪዝም ካብ ሓፈሻዊ እቶት ውሽጢ ሃገር 9.4 ሚእታዊት ዝሽፍነላ ኢትዮጵያ ዓብዪ ሃሰያ ከስዕብ’ዩ: ናብ ወፃኢ ካብ እትልእኾ ሰደድ 98.8 ሚእታዊት ነዳዲ ዝኾነት ደቡብ ሱዳን እውን ምውዳቕ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ብቁጠብኣ ከቢድ ጉድት ከስዕበላ እዩ።

ናይ ኮቪድ-19 ሳዕቤን ነዊሕ ክጸንሕ ትፅቢት ስለዝግበር መራሕቲ ሃገራት ብኩሉ መዳይ ነዚ ሓዱሽ ንቡር ክዳለው ከምዘለዎም ሰበስልጣን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት ውድባትን ይምዕዱ።

XS
SM
MD
LG