ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ማእከል ፋብሪካ መኻይን ትብሃል ከተማ ዲትሮይት ጠፊሻ


Protesters carry a banner calling for Detroit's debt to be cancelled as people enter the federal courthouse for day one of Detroit's municipal bankruptcy hearings in Detroit, Michigan July 24, 2013.
Protesters carry a banner calling for Detroit's debt to be cancelled as people enter the federal courthouse for day one of Detroit's municipal bankruptcy hearings in Detroit, Michigan July 24, 2013.

ነበርታ ግን መሬት ዘቢጣ ክትምለስ ተስፋ ኣለዎም

ዲትሮይት ቻፕተር ትሻዓተ ዝተባሃለ ምሕፅንታ ጥፈሻ ስለዝሓተተት፣ ዓለም-ለኻዊ ርእሰ-ዜና‘ኳ እንተኾነ፣ነዊሕ ፀበባ ዘሕለፉ ነበርታ ግና ሃንደበት ኣይኮነን።ህዝቢ ዲትሮይት፣ሓደጋ ወይ ባርዕ እንተጓኒፍዎም፣ነዊሕ ምፅባይ ለሚዶምዎ‘ዮም።ድምቅቲን ናይ ኣሜሪካ ዝዓበየት ራብዐይቲ ከተማ ትባሃልን ዲትሮይት ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ትምርት ኣላ።ኣቀባሊና ኬን ፋራባው ካብ‘ታ ከተማ ኣብ ዝላኣኾ ሪፖርት፣ገለ ነበርታ፣ምሕፅንታ ጥፈሻ (ባንክራፕስይ ፋይሊንግ)፣ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍተላ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም ይብል።

ኣብ ውሽጢ‘ዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት፣ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ዲትሮይት ወፂኦም‘ዮም።ጆን ጂኦርጅ ግና፣ሙሉእ ዕድሚኡ ኣብ‘ታ ከተማ ኣሎ።እታ ንሱ ዝፈትዋ ከተማ፣ባይታ እናዘበጠት ከላ‘ውን ተዓዚቡ። ንሱ ከም‘ዚ ይብል፣

“ባይታ ናይ ምዝባጥ ካልእ ዘሐጉስ ጎኑ፣ንክትላዓል ዕድል ዝህብ ምኳኑ‘ዩ። ንሱ‘ውን ኢና ንፅበ ዘለና።ካብ ታሕቲ ንክንላዓል።ጠፊሸ‘ለኹ ኢልካ ካብ ምግላፅ ዝገደደ ባይታ ምዝባጥ የለን”።
ዲትሮይት ባይታ ከምዝዘበጠት፣ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ኣቲኻ ብግልፂ ምርኣይ ይካኣል።ማእከላይ እቶት ብዝነበሮም ነበርታ መሊኡ ዝነበረ ከባቢ፣ ኣብ መእተዊ ነብሰ-ወከፍ ኣባይቲ፣መኪናን ብሽክለታን ይራኣይ ነይሩ።ሎሚ ጓሓፍ መሊኦምን ተባሪዖምን ኣለው።

ኣብ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርስቲ ሚሽገን ዝምህር ጆን ፓተው ብወገኑ፣ዓይኒ ዓለም ናብ ዲትሮይት የቋምታ‘ለዋ።መራሕታን ነበርታን ነቲ ቅልውላው ብከመይ ኣገባብ ከምዝምክትዎ ክሪኡ ደልዮም‘ለው።ምኽንያቱ ካልኦት ከባቢታት‘ውን ምሕፅንታ ጥፈሻ ከቅርባ ስለዝኽእላ ይብል፣
“ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮዻ’ውን ኪሳራ ኣጓኒፉ‘ሎ። ንኣብነት ኣብ ግሪክ ተመሳሳሊ ቅልውላው ከምዘሎ ትፈልጥ ትኸውን።ስለዚ ኣብ ዲትሮይት ዘጓነፈ ፀገም ከመይ ከምዝፍታሕን ሳዕቤኑን ክሪኡ ይደልዩ‘ዮም”።
Detroit Bankruptcy Reaction
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG