ማሕበር ሰራሕተኛታት መካይን ኣመሪካ ኣንጻር ሰለስተ ዝዓበያ ፋብሪካታት መካይን ኣመሪካ፡ ወሰኽ መሃያን ካልእ ረብሓታትን ኣድማ የካይዱ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ፋብሪካታት መካይን ኣብ ዲትሮይ ዓመታዊ ምርኢት መካይን ኣዳልዮም ኣለዉ።
ሓዲሽ ለውጥን ሓዲሽ ቴክኖሎጂ መካይን ዝርኣየሉ ምርኢት መካይን በብዓመቱ ኣብታ ብኢንዱስትሪ መካይን ትፍለጥ ከተማ ግዝኣት ሚችጋን ዝኾነት ዲትሮይ ካብ ዝካየድ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣቑጺሩ`ሎ። እዚ ዓመት`ዚ ግን ብሰንኪ`ቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ወይ ኢንተርነት ዘምጽኦ ለውጢ ክኸውን ይኽእል፡ ከም ቀደም ደሚቑ ኣይርኣይን። ብዙሕ ድምቕ ዝበለ ኣይኮነን ዝብል ሪፖርተር `ዳብልዩ፡ዳብልዩ፡ጀይ` ዝተባህለ መደበር ሬድዮ ዲትሮይ ጀፍ ግልበርት፡ ቴክኖሎጂ ንኣገባብ ዕዳጋታት ሓደሽቲ መካይን ብዙሕ ቀይርዎ ኣሎ ይብል፡፡
“ ኢንተርነት ንኣገባብ ምልላይ ሓደሽቲ መካይን ቀይርዎ`ዩ፡ እቲ ቀደም ዝነበረ 20 ዝኾና ሓደሽቲ መካይን ኣብ ሓደ ምርኢት ብሓንሳብ ኣቕሪብካ ዝግበር ኣሰራርሓ፡ ንውልቀ መካይን እኹል ትኹረት ዘይህብ ኣሰራርሓ ምዃኑ ኣፍረይቲ መካይን ተረዲኦም ኣሎ።"
ናይዚ ዓመት ምርኢት መካይን መብዛሕቲኡ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገር መካይን ዘይኮነስ ኣብተን ሰለስተ ዓበይቲ ዝብሃላ ፋብሪካታት መካይን ኣመሪካ ዘተኮረ`ዩ ኔሩ፡፡
“ ካብ መላእ ዓለም ሰባት ሓደሽቲ መካይን ክርእዩ ይመጹ ኔሮም። ሎሚ ግን ናይ ባዕላ ፍርያት ዘቕረበት ፋብሪካ ወጻኢ ቶዮታ ጥራሕ እያ ኔራ።"
ጆን ስተምበርግ ክኢላ ፍርያት ቶዮታ`ዩ። እቲ ኣብ ዲትሮይ ዝግበር ዘሎ ምርኢት መካይን፡ ንቶዮታ ሓዲሽ ፍርያት ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቶዮታ ኣብ ኣመሪካ ዝገብሮ ወፍሪ ሃብቲ`ውን ንምግላጽ ዝጥቀመሉ`ዩ ይብል።
“ ኣብ ኣመሪካ 10 ፋብሪካታት ቶዮታ ኣለና። ካብ መንጎ ኩለን ኣብ ዕዳጋታት ንሸጠን መካይና እተን 55 ሚእታዊት ኣብ ኣመሪካ ዝስርሓ`የን።"
ዳውን ምከንዚ ኣብ ፎርድ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚኒኬሽን ክፍሊ ትራክ ክኾና ከለዋ፡ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርኣይ ፍርያት ብኣካል ክትምርምሮ ጽቡቕ`ዩ ምኽንያቱ ነተን መካይን ብዓይንኻ ርኢኻን ዘዊርካን ፈቲንካ ስለ እትገብሮ ብፍላይ ድማ ነተን ኤለክትሪክ መካይን ይብላ፡፡
“ዓማዊል ሎሚ`ውን ነተን መካይና ብቐረባ ክርእዩወን ይደልዩ እዮም። ኣብ ውሽጠን ኮፍ ኢሎም ምስቲ ኣብ ኦንላይን ዘንብብዎ ርእይቶታት ከመዛዝንዎ ባህ ይብሎም`ዩ። ስለዚ ከም ብኣካል ምስታፍ ዝወዳደር የለን።”
ሽሕ`ኳ ከም ቀደም ካሜራን መብራህትን ዝበዝሖ ጋዜጣዊ መግለጽታት እንተዘየለ፡ ሎሚ `ውን ኣሸሓት ግዱሳት ናብቲ ምርኢት መካይን ዲትሮይ ይመጹ ከም ዘለዉን ንሓዲሽ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ብቐረባ ይከታተሉ ከም ዘለዉን እቶም ክኢላታት ይዛረቡ።
ምርኢት መካይን ዲትሮይ ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጀሚሩ ዓመታዊ ምርኢት የቕርብ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ድኣ ይኹን`ምበር፡ ምርኢታት ከቕርብ ግን ልዕሊ 100 ዓመታት ኣቑጺሩ`ዩ። ሕጂ`ውን ዝቕጽል ምዃኑ ድማ ይእመን። ሕጂ`ውን ኣብዚ ዓመት`ዚ ክሳብ 50 ሚልየን ዝኾኑ ሰባት ነቲ ምርኢት ክዕዘቡዎ ምዃኖም ክኢላ ፋብሪካ ቶዮታ ጆን ስተምበርግ ይገልጽ። ዝሓለፈ ዓመተ 2022 ፍርቂ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበረ ቁጽሪ ተዓዛባይ`ዩ ተራእዩ። ሎሚ ዘመን ግን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክውስኽ ኣዳለውቲ ተስፋ ይገብሩ።
ቅጥዒ