ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ልዕሊ 100 ተጋሩ ኣለዉ ዝበለ ተሓላቒ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ፈርስት፡ ጉዳዮም ኣብ ክንዲ ብኽልል ኣምሓራ ብፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ክርአ ፀዊዑ። እቲ ትካል፡ ብመሰረት ምቍራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶሪያ ክልቀቑ ከም ዘለዎም’ውን ይምጕት።ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ነቲ ጉዳይ ከምዘፃርዮ ገሊፁ ኣሎ።
ቅጥዒ