ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደሱ ፀጋይ (ማዲ) ስሙይ ኣካቢ ዕቁብ ኣብ ከተማ መቐለ


ደሱ ጸጋይ
ደሱ ጸጋይ

ኣብ ከተማ መቐለ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓደ መንእሰይ ካብ 1,638 ሰባት ሰሙናዊ ዕቁብ ይእክብ። ደሱ ፀጋይ (ማዲ) ይበሃል። ፃማ ስርሑ ድማ ዓመታዊ ኣርብዕተን ፈረቓን ሚልየን ቅርሺ ይረክብ።

ዕላማና መንኣሰይ ብዕቁብ ኣቢሎም ገንዘብ ክውህልሉን ዳሓር ድማ ናብ ስራሕ ክወፍሩን ምምራሕ እዩ ይብል።

ማዲ ገና ካብ ወዲ 6 ዓመት እናሃለወ ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ከምዝዓበየን ወዲ 9 ዓመት እንተሎ ንግዲ ከምዝጀመረን ይዛረብ። ኦቾሎኒ ሒዙ ብምዛር ዝጀመረ ማዲ ካውኡ ቀፂሉ ሎቶሪ፣ ካሴት ጐና ጎኒ ትምህርቱ ድማ ኣብ ገዛውቱ (ከባቢ ደብረ ዳሞ) ጆተኒ ምክራይ ጀሚሩ፣ ብሽክለታ እውን የካርይ ነይሩ። በዚ ኣይተወሰነን እንዳ ቪድዮ ከፊቱ ካሴት የካርይ፤ ገንዘብ ምስ ኣዋህለለ ክልተ ባጃጅ ዓዲጉ ድማ ሰረሐ።

ካብ 2003 . ንነዘ ማዲ ዕቁብ ብዝብል ዕቁብ ዝእክብ ማሕበር ኣጣይሹ ይሰርሕ'ሎ። ኣርባዕተ ኣሕዋቱ እውን ምስኡ ስራሕ ቈፂሩ የስርሕ።

ማዲ ብስርሑ ኣዝዩ ንጡፍን ሕጉስን፣ ምስ ብዙሓት ብቐሊሉ ሕውስውስ ዝብልን ዝረዳዳእን ምዃኑ ይፍለጥ፤ እዚ ድማ ካብ ኣተዓባብያይን ካብቲ ዘሕለፍክዎ ህይወትን ዝብገስ እዩ ይብል መንእሰይ ደሱ (ማዲ)

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:25 0:00

ደሱ ፀጋይ (ማዲ) ስሙይ ኣካቢ ዕቁብ ኣብ ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

XS
SM
MD
LG