ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማታት ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ንኻልኣይ ወርሑ ቀጺሉ`ሎ


ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ማስተርፕላን ኣዲስ ኣበባ ብዝተኣሳሰር ኣብ ከተማታት ኦሮምያ ካብ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ ቀዳምን ሰንበትን ተኻይዱ ሎሚ ሶኑይ'ውን ምቕጻሉ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ ካብ ዝቐጸለሎም ከባቢታት ምዕራብ ሃረርጌ፡ ምዕራብ ሸዋን ይርከብዎም።

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ሜሶ ወረዳ ሰበ-ስልጣን ንነበርቲ ኣኼባ ጸዊዖም። እቲ ማስተርፕላን ተሪፉ'ዩ ድሕሪ ደጊም ትቃወምዎ ነገር የለን ኸምዝበልዎም ዝጠቐሰ ሓደ ሽሙ ዝሓብኤ ነባሪ ወሲኹ እቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኸምዚ ዝስዕብ ከምዝበልዎም ይገልጽ።

'ሰባት ጤል ሓሪዶም ደም እናተለኽዩ'ዮም ዝቖሰሉን ዝሞቱን ዝመስሉ እንበር ዝሞተ ሰብ የለን ኢሎምና። ሽዑኡ እቲ ሕብረተሰብ ብዓይንና እናረኣና አካልና ዝኾኑ ሰባት እናሞቱ ብከመይ ኸምዚ ትብሉ ኢሎም ተቆጢዖም። ናይ መሰል ሕቶ'ውን ኣልዒሎም ከይተሰማማዕና እቲ ኣኼና ተበቲኑ።' ኢሉ።

እዚ ነባሪ ኣተሓሒዙ ካብ ሜኤሶ 8 ኪ.ሜ ርሒቓ አብ ዝርከብ ኡርፉን ሶዶን ወተሃደራት ተኹሲ ኸፊቶም ሽዱሽተ ሓረስቶት ቀቲሎም ኢሉ። በዚ ዝተቆጥዑ ህዝቢ ድማ ንመስመር ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ብምዕጻው ጎማን ኻልእ ንብረትን ከምዘቓጸሉ ይጠቅስ።

ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ብወገኑ እቲ ሞት ዝሰዓበ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ሶማሌን ብዝተፈጥረ ግጭት'ዩ ሰራዊት መኸላኸሊ ኢትዮጵያ አብቲ ቕትለት ኣይተሳተፈን ኢሉ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG