ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ደርግ ተማሒሮም ይፈትሑ'ዶ ኣብ ዝብል ክልተ ኢትዮጵያውያን ተኻቲዓም


ክልቲኦም ኣጋይሽ ኣዝዩ ዝተራራሓቐ መርገፂ ኣለዎም

ኣርባዕተ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ደርግ ነበር ንክፍትሑ ፃዕሪ ካብ ዝጅምሩ ቀንዮም'ዮም።

ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ካብ'ቲ ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ መርገፂ ይቃላሕ'ዩ ዘሎ።ናይ ሎሚ ኣጋይሽና ኣቶ እያሱ ጎርፉን ኣቶ ጌታቸው ታደሰን ካብ ዩ-ስ እዮም። ኣቶ ጌታቸው ታደሰ ነቶም ገበነኛታት እናበሉ ዝገልፅዎም መራሕቲ ደርግ ምፍታሕ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ከምኡ ኢሎም ዝሓስቡ ጥዕና ኣለዎም ኢለ ኣይኣምንን ክብሉ ከለው፡ ኣቶ እያሱ ጎርፉ ግና ስለ'ታ ሃገር መፃኢ ዕድል ኢልካ ብዝሰፍሐ ዓቅሊን ብልሓትን ከም'ቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መሰርሕ ኣሳሊጥካ ክፍትሑ'ዩ ዝግባእ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG