ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ክፋል ቃለምልልስ ንሃይማኖታዊያን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝጀመርዎ መስርሕ ዕርቅን ሰላምን


ንመራሕቲ ደርግ ይቅረ ንምባል ቅሩባት ኢና ይብሉ ኣጋይሽ

ኣርባዕተ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኢትዮዽያ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ደርግ ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ዝፍትሕሉ ዕድል ኣብ ምትእልላሽ‘ዮም ዝርከቡ። ዝሓለፈ ሳምንቲ ዝጀመርናዮ ቃለ-ምልልስ ምስ ስድራ-ቤት ግዳያት ሎሚ ክንዛዝሞ።ባዓል-ቤተን ኣብ ቅድሚ ዓይነን ዝተቀትሉወን ወ/ሮ ጎዐይ ዘፈረ ፅዮን ምስ ወደን ዶ/ር ኢሳያስ ይርጋው‘ዮም ኣጋይሽና።

ወ/ሮ ጎዐይ ይቅረ ዘይብል ሰይጣን‘ዩ ኣነ’ውን ነዞም ሰበ-ስልጣን ይቅረ ክብለሎም ይኽእል'የ ክብላ ከለዋ፣ዶ/ር ኢሳያስ ግና ኣነ‘ውን ይቅሬታ ክገብረሎም እየ፣እቲ ዝተፈረደሎም ግና ክፍፀም‘ዩ ዘለዎ፣ይቅረ ምባልን ብምሕረት ምውፃእን ዝተፈላለየ‘ዩ ይብል።

ካብ ከተማ ኣኽሱም ጋሻ ኮይኖም ዝቀረቡ ኣቶ ኣበበ ተጠምቀ ግና ቴሌፎን መስመሮም ኣብ እዋን‘ቲ ቃለ-ምልልስ ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት ተቋሪፁ‘ዩ።ደጊምና ክንረኽቦም ፈቲና‘ውን ኣይካኣልናን።

XS
SM
MD
LG