ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ንሰንኪ ግጭት 7 ሲቪላዊያን ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ደራ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 12 ጥቅምቲ 2024 ኣብ መንጎ ሓይሊታት መንግስትን ምልሻታት ፋኖን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ይካየድ ብዘሎ ቀፃሊ ግጭት ብውሑዱ ሸውዓተ ሲቪላዊያን ሰባት ተቀቲሎም።

ንደሕንነቶም ክብሉ ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ መሰኻኽር ዓይኒ ክልቲኦም ዕጡቓት ጉጅለታት በብወገኖም ምስ መንግስቲ ኣብ ዘካየድዎ ጎንፂ ሲቪላውያን ሰባት ኣብ ማእከል ብበራሪ ጥይቲ ምቅታሎም ሓቢሮም። እቶም ነበርቲ ወሲኾም ካብ 27 መስከረም ዝጀመረ ወጥሪ ምቅፃሉን መንግስቲ ህፁፅ ፍታሕ ክገብረሉ ተማሕፂኖም።

ድምፂ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዘዘራረቦም ኽልተ ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን እቲ ክልል ግን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ሂቦምዎ።እቲ ሓደ ዝኾነ ዓይነት ጎንፂ ከምዘይነበረ ክዛረብ ከሎ እቲ ኻልእ ድማ እቲ ወረዳ ምስ ፀጥታ ዝተኣሳሰረ ጎንፂ ተፈልዩዎ ከምዘይፈልጥ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵዖያ(ኢሰመኮ) ኣብ ቀረባ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣመልኪቱ ኔሩ። ኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ጠጠው ብምባል ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ እውን ደጊሙ ፀዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG