ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይሊ ባሕሪ ደንማርክ ብሶማልያዊያን ከተርቲ ባሕሪ ንዝተጨወዩ ናፃ ኣውፂኡ


ክልተ ባሕረኛታት ግና ሞይቶም ተከኺቦም

ብሶማልያውያን ከተርቲ ባሕሪ ተታሒዞም ንዝነበሩ መርከበኛታት ንምልቃቅ ስርሒት ተካይዱ፣16 ሰባት ናፃ ክወፁ ከለው 2 ሰባት ግና ከምዝሞቱ ሓይሊ ባሕሪ ዴንማርክ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ፣”ኣብሰሎን” መርከብ ውግእ፣ሓንቲ ጀልባ ናይ ሸፋቱ ካብ ሶማልያ ከምዝተበገሰት ድሕሪ ምፍላጣ ተኹሲ ከምዝኸፈተት ገሊፁ።

ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዴንማርክ፣ናብ‘ታ ተጨውያ ዝቀነየት መርከብ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ን17 ጥርጡራት ሸፋቱን 18 ዝተጨውዩን ከምዝረኸቡን እቲ ዜና ይገልፅ።

ክልተ ካልኦት ጭዉያት ግና፣ተገሪፎምን ሞይቶምን ተረኺቦም‘ለው።ብከመይ ኣገባብ ከምዝሞቱ ግና ንፁር ሓበሬታ ዛጊድ ኣይተረኸበን ዘሎ።

XS
SM
MD
LG