ንሎሚ ኣብ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኣሜሪካ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ታሪኽ ዝተመዝገበሉ ዋዕላ ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ ኣሜሪካ ቀሪብናልኩም ኣለና።
ባዓል ቤተን ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንትን ‘እታ ሓቀኛ ሰብ’ምበር እቲ ባምቡላ ኣገላልፃ ሂለርይ ኣይትእመኑ። ንሳ ኣብ እዋን ፅቡቅን ሕማቅን ተኣማኒንትን በላሕን ሰብ’ያ’ ኢሎም ገሊፆምወን።
ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ ጓለንስተይቲ ንፕረዚደንታዊ ውድድር ሕጽይቲ ዘቅረበ ፓርቲ ኮይኑ’ሎ።
እዚ ማለት፣ ባዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ነበር ዝኾና ወ/ሮ ሄላሪ ክሊንተን፣ ኣብ ታሪኽ ፓለቲካ ኣሜሪካ፣ ንዝላዓለ ስልጣን ንክሕዛ ኣንፃር ዶናልድ ትራምፕ ክወዳደራ’የን።
በትረ ስልጣን’ዩ ነዚ መደብ’ዚ ኣቅሪቡ። ዝዓደሞም ኣጋይሹ ዶ/ር ሓየሎም እምባዬን ኣቶ ብርሃነ ኣማረን’ዮም።