ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ለንደንን ስቶክሆልምን


 ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ
ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

"ኣኽርያ 2017" ንደገፍ እቶም ኣብ ኣስመራን መላእ ኤርትራን ዝርከቡ ጀጋኑና ብዝብል ቴማ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም ሰልፊ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍ ደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተኻየደ ኽኸውን ከሎ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣብ ከተማ ለንደንን ስቶክሆልምን ተኻይዱ።

ሃይማኖትና ሓደ’ዩ ንሕና ሕቶና ፍትሒ’ዩ ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ድማ ምስቲ ናይ ጥቕምቲ 31,2017 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምስ ዝተሓሓዝ ዝተአሰሩ ኩሎም ይፈትሑ ብምባል ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ለንደን ምክያዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ
ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

XS
SM
MD
LG