ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኦሮምያ ኢትዮጵያ ተቃውሞ ተማሃሮ ይቕጽል'ሎ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ባንቱ ከተማ ቶሌ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ፖሊስ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሓደ ተማሃራይ ከምዝተቐትለ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል ብወገኑ ህይወት ተማሃራይ ዝጠፍአሉ ምኽንያት ምርመራ ተገይሩ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ኢሉ’ሎ።

ናይቲ ዞባ ወኪል ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ገብረሚካኤል ደባ ብዛዕባ ዘጋጠመ ሞትን እቲ ሰልፊን ንቪኦኤ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

'ሎሚመዓልቲ ኣብ ከተማ ቶሌ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዶብና ይከበር፣መንነትና ይከበር፣ኦሮምኛ ናይ ፌደራል ቋንቛ ይኹን፣ወራር መሬት ደው ይበል ዝብሉ ጭርሖታት እዮም ሒዞም ወጺኦም።ፖሊስ እቲ ወረዳ ንምንታይ ነዚ ትሓቱ ኢሎም ቶኽሲ ከፊቶም ደጀኔ ሰርቤሳ ዝተባህለ ውልቀ-ሰብ ድማ ቐቲሎምዎ።'

ስም ዝርዝሮም ዘይበጽሖም ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ኣብቲ ከባቢ ይሕከሙ ኣለው ይብሉ ኣቶ ገብረሚካኤል።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ተማሃሮ ሰልፊ ኣብዘካይድሉ እዋን ሓደ ተማሃራይ ምማቱ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ ኣቶ ሰለሞን ታደሰ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ምሉእ ትህዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አብ ምዕራብ ኦሮምያ ተቃውሞ ተማሃሮ ይቕጽል'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:13 0:00

XS
SM
MD
LG