ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልተ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላም ምዝዛሙ ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ነቀምቴን ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራብ ወለጋን ከተማ ጊምቢን ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ሎሚ’ውን ተቓውሞ ምክያዱን ብሰላም ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።

ኣብ ክልቲኡ ከተማታት እቶም ናይ ተቃውሞ ሰልፊታት ብአባላት ፖሊስ ዝተሰነየ ሰላማዊ ከምዝነበረ ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ተኻፈልቲ’ቲ ሰልፊ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ አፋን ኦሮሞ ገሊጾም ኣለው።

ኣብቲ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኦሮሞ ካብ ክልል ሶማሌ ምዝንባሎም ደው ክብል ናብ መነባብርኦም ክምለሱን ተሓተቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ዝሓቱ ጭርሖታት ከምዝነበሩ ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG