ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ስዕረት ዴሞክራት ኣብ ቨርጂኒያ ዝቅፅል ዓመት ፀገም ከጋጥሞም ከምዝኽእል ሓባሪ ምልክት እዩ’’ ተንታኒ


Virginia Republican gubernatorial nominee Glenn Youngkin speaks
Virginia Republican gubernatorial nominee Glenn Youngkin speaks

ሪፓብሊካዊያን ብሰሉስ ኣብ ዝተኻደ ምርጫ ተዓዊቶም።ሪፖርተር ካሮሊን ፕረሱቲ ከምዝፀብፀበቶ ገለ ዴሞክራት ኣብ ቨርጂኒያ ምስዓሮም ዝቕፅል ዓመት ብምሉኡ መናብር ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካን ሲሶ መናብር ሰኔትን ናብ ውድ ድር ኣብዝቐርበሉ ናይ ማእኸላይ ግዜ ምርጫ ነቲ ፓርቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክት እዩ።

ዴሞክራት ክልተ ሃንደብታዊ ዘይድለዩ ስዕረት ገጢሙዎም።ሪፓብሊካዊያን ኣብ ቨርጂኒያ ኣብ ዝተኻየደ ኣማሓዳሪነት ተዓዊቶም ኣለው።ህዝባዊ ሽመት ሒዞም ዘይፈልጡ ሕፁይ ግለን ዮንግኪን ተዓዊቶም ኣለው።

ኣብ ኒው ጀርሲ ዴሞክራት ኣማሓዳር ክፍለ ግዝኣት ፊል ሞርፊ ብፀቢብ ድምፂ ዳግም ተመሪፆም ኣለው።

ንካሊእ ኣርባዕተ ዓመት እምነት ስልዝ ሃብኩምና ነመስግነኩም ኢሎምዎም ኣለው ንመረፅቲ ።

ኣብ ቨርጂኒያ ንኣማሓዳሪነት ክፍለ ግዝኣት ዝተወዳደሩ ሕፁይ ተሪ ሙካሊፍ ንተነሓናሒኦም ዮንግኪን ምስ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከራኽቡዎም ፈቲኖም። ኣብታ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብ ፕሬዝዳንታዊ ውድድር ብ10 ነጥቢ ዝሰዓሩላ ክፍለ ግዝኣት ንዝርከቡ መረፅቲ ንምስሓብ ተስፋ ገይሮም ነይሮም።ሪፓብሊካዊያን ብወገኖም ግብሪ፣ትምህርትን ገበንን ኣብ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ኣድሂቦም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ሜሰን ዝምህር ማርክ ሮዘል ብስካይፕ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ናይ ቨርጂኒያ ውፅኢት ምርጫ ንዴሞክራት ምልክት መጠንቀቕታ እዩ ይብል።

‘’ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ግንዛበ ህዝቢ ንዋሽንግተን ዝተቖፃፀሩ ዴሞክራት ክንፍፅሞ ኢና ዝበሉዎም ነገራት ክፍፅሙ ከምዘይኽእሉ እዩ።ናይ ዴሞክራት ምልክት ይጉዳእ እዩ ዘሎ’’ ይብል።

ብፍላይ ድማ ናይ ኣሜሪካ ማሕበራዊ ውሕስነትን ምክልኻል ለውጢ ኩነታት ኣየርን ብ1.75 ትሪሊየን ዶላር ንምስፋሕ ፕሬዝዳንት ባይደን Build Back Better Act ብዝብል ዝፍለጥ ዝሓዙዎ ትልሚ እዩ።ባይደን ብዛዕባ እቲ ናይ ሰሉስ ምርጫ ‘’ዝቕባበ ዘትሕትእዩ፣ደመወዝ ልዕል ዘብል እዩ፣ ተወዳዳራይነት ዝውስኽ እዩ፣ኣብ ዓመት ክልተ ሚሊዮን ስራሕ ዝፈጥር እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ኮንግረስ ገስጋሳይ መርገፂ ዘለዎምን ለዘብተኛን ዴሞክራት ኣብ ብዙሓት ዓንቀፃት ናይቲ ደንቢ ክሰማምዑ ብዘይ ምኽኣሎም እቲ ናይ ወፃኢ ሕጊ ደው ኢሉ ይርከብ። ሪፓብሊካዊያን እቲ ናይ ሰሉስ ውፅኢ ኣሜሪካዊያ ኣንፃር እቲ ትልሚ ይዕምፁ ከምዘለው ከም መርትዖ ይጥቀምሉ ኣለው።

ኣብ ሰኔት መራሒ ሪፓብሊካዊያን ሚች ሚኮኔል ዴሞክራት ንመረፅቲ ክሰምዑን እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ናይ ግብሪን ወፃኢ ጠጠው ከብሉዎምን ኣለዎም።ህዝቢ ኣሜሪካ ሓቲቱዎ ዘይፈልጥ ሶሻሊስታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምፍታኖም ጠጠው የብሉኢሎም።

ዴሞክራት በወገኖም Build Back Better ሓዊሱ ንመረፅቲ ዝኣተውዎ መፅብዓ ይደፍእሉ ኣለው።ኣብ ሰኔት መራሒ ዴሞክራት ቻክ ሹመር ኣሜሪካዊያን ስድራታትን ሰራሕተኛታትን የጋጥሞም ዘለው ብድሆታት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ ምስ በሉ ናይ ፕሬዝዳንት ባይደን ኣጀንዳ ንብዙሓት ፀገማቶም መፍትሒ እዩ፤ህዝቢ ኣሜሪካ ዝደልዮን ዘድልዮን እዩ ኢሎም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ሰኔተን ፀቢብ ዓብላላይነት ዘለዎም ዴሞክራት ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝካየድ ናይ ፍርቂ ዘመን ምርጫ ዓባላላይነቶም ሒዞም ንምቕፃል ክከላኸሉ ኣለዎም።ናይ ሰሉስ ናይ ቨርጂኒያ ውፅኢት ዴሞክራት ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ፀልማት ዝወሰኸ ክኸውን ከሎ ሪፓብሊካዊያን ድማ ብብሩ ተስፋ ናብ 2022 ኣ\ፈ ይጉዓዙ ከምዘለው እዩ።

XS
SM
MD
LG