ትማሊ ዲትሮይት ሚሽጋን ኣብ ዝነበረ ክትዕ ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ፣ ነቲ ደምበ ይመርሑ ዘለው ጆ ባይደን፣ ኣብ ጉዳይ ፕሮግራም ክንክን ጥዕና፣ ኢምግረሽን፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ገበናዊ ፍትሒን ተመስሪቱ መጥቃዕቲ ዘተኣናገድሉን’ዩ።
ባይደን ‘ብንጹር ንምዝራብ፣ ቀጥታዊ ሪኢቶ ንምሃብን፣ ኣብ ልዕሊ’ዚ ውጥን’ዚ ተመርኩስካ ንፕረዚደንት ትራምፕ ምስዓር ኣይካኣልን’ ኢሎምን ንሴነተር ካማላ ሃሪስ።
ንሰን ክምልሳ ከለዋ ‘እንታይ ትብል ከምዘለኻ ኣቐዲምካ ክትሓስበሉ ኣለካ። ክትርዳኦ ዘለካ፣ ህዝቢ ኣሜሪካ ዓቕሞም ዘኽእሎ ኣገልግሎት ክንክን’ዮም ዝደልዩ’ ኢለን።
ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆ ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ኢምግረሽን ምስ ኣባል ካቢነ ምምሕዳር ኦባም ዝነበሩ ዩልያን ካስትሮ’ውን ተላቲሞም’ዮም።