ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ-ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ካብ ቨርሞንት ዝመጹ ሰነተር ሳንደርስን አብ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ንፕረዝደንት ኦባማ ዓቢ መዓልቲ ዝተባህለሉ ጉዳይ ተካቲዖም። ክልቲኦም ህጹያት ተወዳደርቲ ኣብዚ ምቕይያር እሱራትን ምዝዛም ስምምዕ አብ ጉዳይ ምውናን ኑክራል ኣጽዋር ምስ ኢራንን ዘለዎም ናይ ሓባር ጥንቃቐ ዝተመልኦ ትስፍውነት ገሊጾም።
ሂላሪ ክሊንተን ብዛዕባ ዝምድና ምስ ኢራን ከምዚ ኢለን ኣለዋ።' ድሕሪ 36 ዓመታት ሓደ ጽቡቕ መዓልቲ ርኢና: ናብ ንቡር ቅድሚ ምምላስና ድማ ገና ብዙሕ ጽቡቕ መዓልታት ክንርእይ ይግባእ ይመስለኒ።’
ሰነተር ሳንደርስ ብወገኖም፡ ‘ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣወንታዊ ይመስል’ዶ? ንዝብል ሕቶ እወ እዚ ማለት ግን ጽባሕ ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ንክፈት ንዝብል ሕቶ ግን ኣይፋል’ዩ' ኢሎም።
ጆን ሆዱክ ካብ ብሩኪንግ ኢንስትዩት ብዛዕባ እዚ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ: እዚ ወፍሪ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ብዛዕባ ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝዘተየሉ መዓልቲ ንሚስ ክሊተን ጽቡቕ መዓልቲ`ዩ ምክንያቱ አብዚ ጉዳይ ዝለዓለ ተመክሮ ስለዘለዋን አብዚ ጉዳይ ንምዝታይን ነቲ ሕልኽላኽ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ንምርዳእ ንዓኣ ምቹእ’ዩ ይብል።
ካልእ አብቲ ክትዕ ተወዳደርቲ ፓርቲ ዲሞክራት ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ዘለወን ዝምድና አብ ዝተዛረባሉን ሰነተር ሳንደርስ ንበዓልቤት ሂላሪ ክሊንተን ካብ ምንቓፍ ዝተዓቀብሉ ፍጻመ ኣድህቦ ካብ ዝረኸበ ክፋል ‘ቲ ኽትዕ’ዩ ነይሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።