ትማሊ ረቡዕ ካልኣይ እብረ ኣብ ዝተቓነዐ ዋዕላ ደሞክራሲ ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ጽላት ዝውዕል ኣስታት 700 ቢልዮን ዶላር ባጀት ከም ዝስልዑ ኣፍሊጦም። እዚ ዋዕላ፡ ከም ቻይናን ሩስያን ዝኣመስላ ሃገራት ንስለያን ካልእ መሳርሒታትን ዝኸውን ቴክኖሎጂ ብምዕባይ ንመትከትላት ደሞክራሲ ኣብ ዝዕምጽጻሉ ዘለዋ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ ንመብዛሕትኦም ተጋባእቲ ብማንዛ ዝሓቘፈ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ባይደን 121 መራሕቲ’ዮም ዓዲሞም። ካብ መንጎ’ቶም ዕዱማት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ መዳይ ነቕፌታ ዝወርዶም መራሕቲ ህንዲን እስራኤልን ይርከቡዎም።
እዚ ዋዕላ ኣብ ፈላማኡ ብፕረዚደንት ባይደን ክምደብ እንከሎ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ተባሕጒጉ ጸኒሑ ዝበሉዎ ደሞክራሲያዊ ክብርታት ኣመሪካ ንምምላስ’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብ መንጎ ብዙሓት ዓለማዊ ምዕባለታት ስለ ዝሰዓቡ፡ እቲ ዋዕላ ናብ ካልእ ኣዝዮም ኣሰከፍቲ ተርእዮታት ከቋምት ጀሚሩ። ካብ መንጎኦም ድማ ወራር ሩስያ ንዩክሬንን ብቻይና ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ጸረ-ደሞክራሲያዊ ከይድታትን’ዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ንኣገዳስነትን ፍሉይ ዛዕባን እቲ ዋዕላ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ “ንሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝገበረቶ ወራር ተሓታቲት ምግባር ሓደ ዓቢ መርኣያ ደሞክራሲ’ዩ፡” ኢሎም።
እቶም ፕረዚደንት ግን ኣቓልቦኦም ኣብ ሩስያ ጥራይ ኣይነበረን። ካልእ ኣብ በበይኑ ወገናት ዓለም ኣንጻር ደሞክራሲ ዝርአ ዝበሉዎ ሓደገኛ ተርእዮታት’ውን ዘትዮም’ዮም።
ነቲ ዋዕላ ካብ ኤስያ፡ ደቡብ ኮርያ፣ ካብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኮስታሪካ፣ ካብ ኤውሮጳ፡ ኔዘርላንድስ፣ ከምኡ’ውን ካብ ኣፍሪቃ ዛምቢያ’የን ብመሪሕነት ተሳቲፈንኦ።
ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተዛዘመ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ፡ ባይደን ኣማስየኦም ንምስፋን ደሞክራሲያዊ መትከላት ዝውዕል 690 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከም ዝሰልዑ ኣፍሊጦም። ካብኡ እቲ 424 ሚልዮን ዶላር ኣብ ምክያድ ናጻ ምርጫ፡ ምምሓው ብልሽውናን ምስሳን ናጻ ሜድያን ዝውዕል’ዩ። እቲ ሓገዛ ናብ በበይነን ሃገራት ዝውዕል ምዃን’ውን ተሓቢሩ'ሎ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ካልኦት 10 መላፍንቲ ሃገራት ብምዃን’ውን፡ ኣንጻር ስፓይዌር ቫይረስን ካልእ ሳይበራዊ መጥቃዕታትን ንምክልኻል ክሰርሑ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ኣብዚ ግንባር’ዚ እታ ቀንዲ ስክፍታ እትፈጥር ቻይና ምዃና’ያ። ብቻይና ዝውነና ትካላት ቴክኖሎጂ ካብ ተገልገልቲ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ሓደጋታት ኣብ ምውራድን ተዋፊረን ምህላወን ምምሕዳር ባይደን ይኽሰስ።
ሓደ ካብኡ ንጉዳይ ቲክቶክ ክኸውን እንከሎ። እዚ ኣፕ ኣብ መሳርሒታት ትካላት መንግስቲ ድሮ ተኸልኪሉ እኳ እንተሎ፡ እቲ ስክፍታ ግን ገና ዓቢ’ዩ ዘሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ብዘርእዩዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ ዓፋኒ ስጕምታት ግዳይ ነቕፈታ ዝጸንሑ መራሒ ህንዲ ናረንድራ ሞድን መራሒ እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን’ውን ኣብቲ ዋዕላ ብምቕራብ፡ ገና ንደሞክራሲ ዘለዎ ኣኽብሮትን እምነትን ከርእዩ ፈቲኖም’ዮም። ክልተ መራሕቲ ሃገራቶም ኣብ ምስፋን ደሞክራሲያዊ መትከላት ዘይንቕነቕ መስመር ከም ዘለወን መጒቶም።
ምምሕዳር ባይደን ኣብዚ ዋዕላ ዝነጠሮም መራሕቲ ወሰንቲ ሃገራት’ውን ነይሮም’ዮም። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተደጋጋሚ ነቕፌታ ዝወርዶ ዘሎ መራሒ ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን’ዩ። ተደጋጋሚ እዋን ብዘቕርቦ ተሪር ነቕፌታ ንሊበራላዊ ዓለም ዝፍለጥ መራሒ ሃንጋሪ ቪክትሮ ኦርባን’ውን ኣብዚ ዋዕላ ኣይተዓደመን። መሓዛ ኣመሪካ ምዃነን ዝንገረለን ሃገራት ከም ባንግላደሽ፡ ሲንጋፖርን ታይላንድን’ውን ኣብዚ ዋዕላ ኣይተዓደማን። እቲ ምኽንያት ግን ንጹር ኣይኰነን።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን ብዛዕባ ምብሕጓግ ደሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ስምዕተኦም ኣካፊሎም። ጉተረዝ ኣብ መግለጺኦም ምንቍልቋል ናጻ ፕረስን ውሕስነት ሰብኣዊ መሰላትን ካብቶም ኣዝዮም ዘሰከፉ ዘለዉ ተርእዮታት ክብሉ ጠቒሶም። “ሎሚ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ግዕዘይ ምሕደራ ንዕዘን ኣሎና፡” ዝብሉ ጉተርዝ፡ “ኣብ ታሪኽ ከም ዝተራእየ ውልቃውያን መራሕቲ ንርግኣት ከባቢ እቶም ዝኸፍኡ ሻቕሎት’ዮም፡” ኢሎም። ጎንጺን ኲናትን ብኸምኣቶም ዝመስሉ፡ ካብ ደሞክራሲያዊ መስመር ዝወጽኡ መራሕቲ ከም ዝፍጠር ድማ ተዛሪቦም።
ኣመሪካ፡ ኣብቲ ንምስፋሕ ደሞክራሲ እትገብሮ ወፍሪ እታ ቀንዲ መቀናቕንታ እትርእያ ቻይና’ያ። ንታይዋን ናብዚ ዋዕላ ምዕዳማ እምበኣር ሓደ መርኣያ ናይቲ ዘሎ ወጥሪ’ዩ። ቻይና ግን ንተግባራት ኣመሪካ ብተሪር ብምቅዋም፡ ነቲ ተበግሶ ንምትዅታኽ ዝዕድም ክትብል ገሊጻቶ ኣላ። ኣብቲ ብመገዲ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶም ምላሽ፡ ንዕድመ ታይዋን ናብቲ ዋዕላ “ንደሞክራሲ ዝኸፋፍልን ምትፍናን ዘስዕብን” ክትብል ገሊጻቶ።
ኣምባሳድር ሩስያ ኣብ ኣመሪካ’ውን ነቲ “ኣምሳሉነት” ኢሉ ዝገለጾ ተግባራት ኣመሪካ ብትሪ ኰኒኑ ኣሎ። ኣምባሳድር ኣናቶልይ ኣንቶኖቭ ኣብ መግለጺኦም፡ “ኣመሪካ ናብ ዒራቕ፡ ሊብያን ኣፍጋኒስታንን ክትልእኮ ዝፈተነት ደሞክራሲ ከመይ ከም ዝፈሸለ ርኢናዮ ኢና፡” ኢሎም። ወሲኾም እቶም ኣምባሳድር “ኣመሪካ ቅድሚ ናብ ካልእ ምጥማታ ኣብ ምድሪቤታ ዘሎ ዓሌትነት፡ ብልሽውና፡ ብብረት ዝግበር ጎንጺ መፍትሒ ክትገብረሉ” ከም ዘድሊ ጸዊዖም--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።