ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኣ ንህዝቢ ትግራይ 'ታይ ረቢሓ?


ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣቶ ሐሸ ለማ ገሊፆም።
ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣቶ ሐሸ ለማ ገሊፆም።

ትእምት (ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ) ካብ 1987 ዓ.ም ትጣየሽ ኣትሒዛ ብልዕሊ 1.6 ቢልየን ቕርሺ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ከምዘካየደት ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣቶ ሐሸ ለማ ገሊፆም።

ኣብ 2006 ዓ.ም ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ጠመተ ብምሃብ ኣብ ስራሕቲ ህንፀትን ምምላእ ውሽጣዊ ናውትን ሰሪሓ እያ። ብመሰረት እዚ 181 ሚልየን ቕርሺ ንህንፀትን ምምላእ ትምህርታዊ ናውትን ውዒሉ እዩ። መንግስቲ ንዘተግብሮ ኣንፈት ሓለዋ ጥዕና ተግባራዊ ንምግባር ድማ 130.4 ሚልየን ቕርሺ ብምምዳብ ብርክት ዝበሉ ዋኒናት ተፈፂሞም።

ከምኡ’ውን ኣብ ልምዓት ሕርሻ ብፍላይ ኣብ ምትካል ገረብ፣ ንልምዓት ሃብቲ እንስሳን ንሞያዊ ስልጠናን 100 ሚልየን ቕርሺ ኣብ ግብሪ ውዒሉ እዩ። ኣብ ልምዓት ስፖርት ብዝተፈላለየ መዳዩ ብምስታፍ ንህንፀት ስታድዮም ትግራይ ዝተወፈየ 50 ሚልየን ቕርሺ ሓዊሱ ዛጊት 167.4 ሚልየን ቕርሺ ብምምዳብ ትእምት ርኡይ ኣበርክቶ ኣመዝጊባ እያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኣ ንህዝቢ ትግራይ 'ታይ ረቢሓ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:22 0:00

XS
SM
MD
LG