ለካቲት ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ወርሒ ታሪኽ ፀለምቲ እያ።ታሪኽ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ሎሚ ሒዚዎ ዘሎ መልክዕ ንኽሕዝን ንናይ ኣሜሪካ ሕብረተሰብ ኣስተዋፅኦ ንዘወፈዩ ሰባት፣ትካላትን ፍፃመታትን ዝዝከርሉ እዩ።Delta Sigma Theta ንሰቪላዊ መሰላት ዝተቓለሰን ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ክፍለ ዘመን ናይ ብዙሓት ህይወት ዝለወጠ ውዳበ ፀለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን እዩ።
ማሕበር ዴልታ ሲግማ ቴታ/Delta Sigma Theta/ ካብ ዝጣየሽ ልዕሊ 100 ዓመታት ዝገበረ ዝዓበየ ናይ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ውዳበ እዩ።Delta Sigma Theta ኣብ 1913 ብ22 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ሃዋርድ ዩኒቨርስቲ ተጣይሹ።እቲ ብናይ ኮለጅ ተምሃሮ ዝተጣየሸ ማሕበር ንፀለምቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ቃል ኣተወ።
ጉወንድሊን ቦይድ ንናይቲ ማሕበር መበል 100 ዓመት ብዓል ዝመርሓ እየን።እቲ ማሕበር ምስተመስተረ ዳርጋ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣባላት Delta Sigma Theta ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራፅ መሰል ንኽህልወን ኣብ ዋሽንገተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ሰልፊ ተሳቲፈን ይብላ ንሰን።
ናይ ምምራፅ መሰል ኣብ ዝሓትት ሰልፊ ዝተሳተፋ ንሰን እተን መስረቲ ጥራሕ ነይረን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ዝበላ ጉወንድሊን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምምራፅ መሰል ቅድሚ ምሓዞም ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራፅ መሰለን ክሕለው ኣለዎ ኢለን ዝተሰለፋ እየን ይብላ።’’ናይ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ናይ ምምራፅ መሰል ጋህዲ ክኸውን እዩ ኢለን ዝኣመታ ሰብ ራኢ ደቂ ኣንስትዮ ነይረን።’’
ዴልታ ካብ ኻልኦት ዝፈልዮ ነገር መስረቲ እቲ ማሕበርና ንመዝናነዪ ዝተጣየሸ ናይ ሕብረትሰብ ውዳበ ከይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተሰብ ኣቲዩ ለውጢ ንምፃእ ዝቖመ እዩ ይብላ ቨኒሳ ቶማስ።
በብከባቢኡ ዘለው ጨንፈራት እቲ ማሕበር ደገፍ ንዘድልዮም ሰባት ብምሕጋዝን ትምህርቲ ብምስፍሕፋሕን ንዝሕግዙ ፕሮግራማት ሓገዝ ይህቡ እዮም።
ንትምህርትን ዓወትን ዘብቅዑ ምስ መናእሰይ ዝነጣጠፉ ነናይ ውልቅና ፕሮጀክትታት ኣለውዎ።
ሎሚ Delta Sigma Theta 260 ሽሕ ኣባላት ኣለዎ።ንዝቕፅል ክፈለ ዘመን እውን እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውዳበ ዓይነታዊ ለውጢ ህይወት መናእሰይ ንምርግጋፅ ክሰርሕ እየ ይብል።