ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንልኡኽ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ተቐቢላ


ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ኻርቱም ደብዳብ ከቢድ ብረትን ፍንጀራን ኣብ ዝቐፀለሉ ልኡኽ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሓን ብዛዕባ ዝቐፀለ ግጭት ንምዝርራብ ትማሊ ሓሙስ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ቡርሓን ዝኾኑ ዳፋላህ ኣልሓጂ ሰራዊቶም ዕጥቑ ንምፍታሕ ድሉው ከምዝኾነን ንዝኾነ ይኹን ምሕረት ንምሃብ ድልየት ከምዘለዎን ገሊጾም።

ኣልሃጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ "ኩሎም ሰበስልጣን፣ ሃገራት፣ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ መንጎ ሕጋዊ ብዓል ስልጣን ሱዳንን ሕጊ ኣይቅበልን ዝበለ ኣባዪን ዘሎ ፍልልይ ክርዱኡ ኣለዎ’’ ኢሎም ።

ናይ ቡርሓን ልኡኽ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ምርኻቦም እውን ተገሊጹ'ሎ።

ኽልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተፃብኦታት ንምቁራፅ ብተደጋጋሚ እንተተሰማምዑ እውን ክልቲኦም ወገናት ንዓበይቲ ጽላታት ዋና ከተማ ኻርቱም ንምሓዝ ይዋግኡ ከምዘለው ይግለፅ።

ዛጊት በቲ ግጭት እንተወሓደ 550 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 4,900 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG