ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጋብእቲ ዋዕላ ክሊማ ዱባይ ኣብ “ታሪኻዊ” ስምምዕ ይበጽሑ


ዋዕላ ክሊማ ዱበይ
ዋዕላ ክሊማ ዱበይ

ኣብ ዱባይ ይጋብኡ ዘለዉ ተወከልቲ ሃገራት ድሕሪ ነዊሕ ክርክር ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓደ ሰነድ ተሰማሚዕም። እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሬት ካብ ዘጋጥማ ዘሎ ተደጋጋሚ ምውዓይ ንምድሓን፡ ነዳዲ ዘይቲ ምጥቃም ንምቍራጽ ዘኽእል’ዩ። እዚ “ታሪኻዊ ገስጋስ” ተሰይሙ ዘሎ ስምምዕ፡ መጠን ናብ ኣየር ዝፍኖ ካርቦን ንምጕዳል፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝኣክል ከዘራርብ ዝጸንሐ’ዩ።

በዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ ሃገራት ሃልኪ ነዳዲ ከጕድላ፡ ምቅጻል ከሰል ከወግዳን ኣብ ዝተናውሐ ድማ ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ክሰግራ ዘኽእል’ዩ።

ናብዚ ሓቛፊ ሰነድ ንምብጻሕ ነዊሕ ክርክር ወሲዱ’ዩ። ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝቐጸለ ርክብ፡ ተጋባእቲ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን። ስለዚ ከኣ’ዩ ፕረዚደንት እቲ ዋዕላ ዝዀነ ሱልጣን ጃቢር፡ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሓበረሉ እዋን፡ “ብሳይንስ ዝተመርሐ ሰነድ’ዩ፡” ክብል ዝገለጾ።

ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ክሊማ ዝዀነ ጆን ኬሪ፡ “እቲ ስምምዕ ምስቲ ዘሎ ኵሉ ጸገማት ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባራት ዘርኢ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።

ገለ ንኣሽቱ ሃገራት ግን ሕጉሳት ኣይመስላን። ልኡኽ ቦሊቪያ ነቲ ውዕል ዳግም ናብ መግዛእቲ ዝመልስ’ዩ ኢሉዎ።

ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃብታማት ሃገራት ግን ነተን ድኻታት ሃገራት ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ንኸውፍራ ናይ 800 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበራ ተሰማምዐን ኣለዋ።

ኣብዚ ጉዳይ ተቓዋሚ መርገጺ ክህልወን ከም ዝኽእል ተገቲመን ዝጸንሓ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ኣፍረይቲ ነዳዲ፡ ብኣንጻሩ በቲ ስምምዕ ተሓጐሳ ይመስላ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን፡ ነቲ ሰነድ “ንምቍራጽ ነዳዲ ዘይቲ ዘሰማምዕ ናይ ፈለማ ታሪኻዊ ሰነድ” ክብል ገሊጹዎ።

ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ሓጺር እዋን ደው ዘብል ኣይኰነን። እንተዀነ ኣብ ዓመተ 2050፡ ናብ ዜሮ ካርቦን ንምውራድ፡ ሃገራት ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ክሰግራ ዘኽእለን’ዩ።

ተጋባእቲ ናብ ሓደ መደምደምታ ሰነድ ንምብጻሕ ነዊሕ ክርክርክ’ዮም ወሲዶም። ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ንድፍታት “ነዳዲ” ዝብል ቃል’ውን ዘይነበሮ ሰነድ ንሓያሎ ኣቘጢዑ’ዩ። ሎሚ ረቡዕ ግን ንሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ዘተ ኣብ መረዳድኢ ነጥቢ በጺሖም ኣለዉ። ኣብዚ 21 ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ “ነዳዲ ዘይቲ” ዝብል ስም ክልተ ሳዕ ተቐሚጡ ምህላዉ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ ነዳዲ ጋዝ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ድሕሪ 28 ዓመታት ፈለማዩ ምዃኑ ኣብ ማእከል ተሓዳሲ ጸዓት ኣመሪካ ዳይረክተር ዝዀነ ጂያን ሱ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጹ። ስክፍታኡ ግን ከም ኣመሪካን ካልኦት ኣፍረይቲ ነዳዲ ዘይቲ ዝዀና ሃገራት ብቐሊሉ ናብ ቀደም ክምለሳ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሕብር።

ሓያሎ ተሓለቕቲ ጉዳይ ክሊማ ግን እቲ ሰነድ ብዙሕ ሃጓፍ ከም ዘለዎ’ዮም ዝምጉቱ። ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካን ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ዝኾነ ኣል-ጎረ፡ ኣብ መጨረሽታ ናብዚ ምብጻሑ ዝተሰምዖ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ትግባረኡ ግን ምሉእ ምትእምማን ከም ዘይብሉ ይነግር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG