ኣስመራ —
ነቲ ብተፈጥሮን ሰብ-ሰርሖን ዝስዕብ ምድረ-በዳነት ንምምካት ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብን ናይ ምግራብን ስርሓት ይካየዱ ከምዘለዉ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓላፊ ጨንፈር ባህርያዊ ሃብትን ልምዓት መስኖን መሃንድስ ሚኪኤል ብርሃነ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኤርትራ ንድምጺ ኣመሪካ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምምስራትን ምምዕባልን ሕዛእቲ፡ ዝበረሰ ከባቢታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝምረጽ እቲ ዝቐልጠፈን ዝሓሰረን ኣገባብ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ፡ሕዛእቲ ናይ ምስፋሕ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ቅጥዒ