ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጭፍጨፋ ኣግራብ ንደርቂ ጠንቂ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ


ዳግም ምትካል ኣግራብ ክተኣታተው'ውን መፀዋዕታ ቀሪቡ

ተመራመርቲ ደን፣ምጭፍጫፍ ዱር ቀንዲ ምንጪ ደርቂ ምኻኑ ገሊፆም።ኣብ ዳግመ-ምትካል ዝያዳ ትኹረት ንክግበር‘ውን ፀዊዖም።

ኣብ ኢንዶኔዥያ ዝርከብ ዓለም-ለኸ ማእከል ምርምር ዱር ዝሰርሕ ቴርይ ሳንደርላንድ፣ጫካ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ደራኺ ግደ ኣለዎም፣መግቢ ስለንረኽበሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሚዛናውነት መጠን ማይ‘ውን ኣበርክቶ ስለዘለዎም‘ዩ ይብል።

”እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጓኒፉ ዘሎ ፀገም ምናልባሽ‘ውን ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝተኸሰተ ደርቂ፣ጫካታት ስለዝተቆረፁ‘ዩ።ከም‘ቶም ኣብ ትሮፒካዊ ዞባ ዘለው ዱራት ጠሊ ዝህቡ ስለዘይኮኑ፣ድሕሪ ምቁራፆም ንፍግረ-መርየት ዝተሳጠሐ‘ዩ እቲ ከባቢ።ከምሳዕቤኑ ድማ እኽሊ ተዘሪኡ ንከፍሪ ዘይካኣል ይገብሮ።ስለዚ ኣብ ሞንጎ ሽፋን ዱርን ጠሊን ቀጥታዊ ምዝማድ‘ዩ ዘሎ። ብሓፂሩ፣ተኽሊ ክቁረፅ ከሎ፣ጠሊ ይጠፍእ፣ዑደት ማይ ይቋረፅ ከምኡውን ደርቂ ይስዕብ” ይብል ንሱ።

ሚስተር ሳንደርላንድ፣ውሕስነት መግቢ ዘይረጋገፀሉ ምስጢር ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ኣይኮነን‘ዩ ዝብል።እቲ ዑደት እንተተቋሪፁ፣ሰባት ዝምገብዎ ይስእኑ ንደርቂ ይሳጥሑ ይብል።ኣብ ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዘሎ ርኡይ ፀገም፣ዕንፀይቲን ፋሓምን ኣብ ምብሳል መግቢ ኣብ ጥቅሚ ምውዓሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ዘምፅእ ምኻኑ‘ውን ሓቢሩ።

ስለዚ፣ዳግመ-ምትካል ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ወሳኒ ተራ ኣለዎ ዝብል ገምጋም ኣለዎ ሚስተር ሳንደርላንድ።ተመሳሳሊ ዘርኢ ብዘይምዝራእ እውን ንሓፈሻዊ ቅብፀት ምሕራር ዘርኢ ምክልኻል ከምዝካኣል ይዛረብ።

ሚስተር ሳንደርላንድ ወሲኹ ”ምስ ደርቂ ተኣሳሲሩ ዘሎ ፀገም፣ሰባት እታ ዘላቶም ጥሪት ኣብ ሓደ ስፍራ ምዕቋሮም‘ዩ።ንኣብነት መሸላ ጥራሕ እንተዘሪእካ፣እዚ እኽሊ‘ዚ ብደርቂ ዝጥቃዕ ስለዝኾነ ውሕስነት መግቢ ኣብ እዋን ደርቂ ንምርግጋፅ ከቢድ‘ዩ ዝኾነካ።ሓረስቶት ደቡባዊን ምብራቅን ኣፍሪቃ ነዚ እኽሊ‘ዚ ብሰፊሑ‘ዮም ዝዘርኡ።ስለዚ ኩነታት ኣየር ምስ ዝቅየር ናብ ፀገም‘ዮም ዝኣትው” በለ።

Recommended

XS
SM
MD
LG