ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከቢድ ጽቕጢ ዝርከብ ፕረ.ፈረንሳ ሓድሽ ቀ/ሚ የናድይ


ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን 5 ታሕሳስ 2024
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን 5 ታሕሳስ 2024

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን፡ ትማሊ ሓሙስ ንቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፡ ተካኢ ሰብ ንምርቋሕ ምስ መራሕቲ ጸጋማውያንን የማናውያንን ሰልፍታት ሎሚ ዓርቢ ተራኺቡ።

ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ መዘነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሓዘ ባርኔር ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፡ ካብ ሓይሎ ወገናት ጸቕጢ ዝገጥሞ ዘሎ ማክሮን ኣብ ሓጺር መዓልታት ካልእ ሰብ ክመዝዝ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ማክሮን ናብ መዝነት ካብ ዝመጽእ ድሮ ሓሙሽተ ቀዳሞት ሚኒስተራት ለዊጡ ኣሎ።

እንተዀነ ንጽባሕ ዓርቢ ንዳግመ-ምረቓ ካቴድራል ኖተርዳም እንኮላይ ንምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምእንጋድ ንዝዳሎ ዘሎ ማክሮን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።

ከም ዳህሳስ ርእይቶታት ህዝቢ ኣስታት 60% ፈረንሳውያን ማክሮን ካብ መዝነቱ ክውርድ ይድግፉ። ንሱ ግን “ንሓሙሽተ ዓመት ስለ ዝመርጽኩምኒ ክጸንሕ’የ፡ ስልጣነይ ድማ ክጥቀመሉ’የ፡” ኢሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG